ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምዝርጋሕ 650 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ መስመር መተሓላለፊ ኤሌትሪክ ግድብ ህዳሴ ተዛዚሙ


650 ኪሎ ሜትር ዝንውሓት ናይ ዓብይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ምዝርጋሕ መተሓላለፊ መስመር ሓይሊ ኤሌትሪክ ምሉእ ብምሉእ ምዝዛሙ ተገሊፁ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ምስ መራሕቲ ሃይማኖትን ሲቪክ ማሕበራትን ብዛዕባ እቲ ግድብ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ምዝርጋሕ እቲ መስመር ካብቲ ግድብ ክሳብ ሃገራዊ ማእኸል ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝርከበሉ ሆለታ ተዘርጊሑ ኣሎ ይብል ንናይ ኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ዝጠቐሰ ፀብፃብ ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬሽን።

ናይቲ ግድብ ቴክኒክ ጉጅለ ኣባል ዝኾኑ ዶክተር በለጠ ብርሃኑ ምስ ህንፀትን ምምላእ ኮንክሪትን ዝስራሕ ናይቲ ግድብ ስቪል ስራሕ 91.8 ሚእታዊት ምእታው ተዛዚሙ ኣሎ ኢሎም።ሓፈሻዊ ህንፀ ናቲ ግድብ ሰማኒያ ምእታዊ ምዝዛሙ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

ናይቲ ግድብ ክልተ ተርባይናት ቅድመ ምህርቲ ምምንጫው ሓይሊ ኣብ መወዳእታ ዝመፅእ ክረምቲ ክጅምር እዩ ይብል እቲ መንግስታዊ ሚዲያ።

XS
SM
MD
LG