ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

392 ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ  ህንፀት መስመር ባቡር ኢትዮጵያ ብሰንኪ ጸገም ኤሌትሪክ ፈተነ ክካየድን ክትግበርን ከምዘይከአለ ተገሊጹ


ህንፀት መስመር ባቡር

ብልዕሊ 1.7 ቢሊዮን ዶላር ዝተሰርሐ ፕሮጀክት ህንፀት መስመር ባቡር ኣዋሽ፣ ኮምበልቻ፣ወልዲያ ሃራ ገበያ ብሰንኪ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ፈተነ ስራሕ ይኹን ናብ ተግባር ንምእታው ከምዝተፀገመ ናይቲ ፕሮጀክተ ኣካያዲ ስራሕ ኣፍሊጦም።

እዚ 392 ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ፕሮጀክት ኣዋሽ ኮምበልቻ 99 ሚእታዊት፣ካብ ኮምበልቻ ወልዲያ ሃራ ገበያ ድማ 77 ሚእታዊት እንተተዛዘመ እውን ፀገም ሓይሊ መብራህቲ ዕንቅፋት ከምዝፈጠረሉ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ፕሮጀክት ኢንጂነር ኣብዱልከሪም መሓመድ ንቪኦኤ ገሊፆም።

ኣማሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህን ሚንስትር መጎዓዚያ ወ/ሮ ዳግማዊት ሞገስን ሎሚ ዓርቢ ኣብ ከባቢ ኮምበልቻ ብኣካል ብምርካብ ነቲ ፕሮጀክት ከምዝተዓዘቡ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።ክልቲኦም ሰበስልጣን ምስ ሓይሊ መብራህቲ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ፃዕሪ ይካየድ ምህላው ገሊጾም ኣለው።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG