ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክኢላታት ቴክኖሎጂ፡ ኢትዮጵያ ድሮናት ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ዝተጠቕመት ይገልጹ፣ ሻቕለቶም የካፍሉ


ብመሰረት ሳተላይታዊ ኣሳእል፣ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ቻይና፣ኢራንን ቱርክን፣ ኣብ ውግእ ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ጥቕሚ ይውዕላ ከምዘለዋ ተረጋጊጹ ኣሎ። ብመሰረት እዚ፣ ቀተልቲ ፍርያት ቴክኖሎጂ ኣብ እዋን ውግእ ኣብ ጥቅሚ ምውዓሎም፣ ሻቅሎት ከምዝፈጠረሎም ኪኢላታት ይዛረቡ።

ብሰንኪ ኣብ ውግእ ሕድ ሕድ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጥቅሚ ይውዕላ ዘለዋ ድሮናት ዝፈጸመኦ ደብዳብ፣ እቶም ዳሕረዎት ግዳያት፣ ሰራሕተኛታት እንዳ መጥሓን ኮይኖም ኣለው።

ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ፣ ብሰንኪ ደብዳብ ነፈርቲ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ትግራይ 18 ሰላማዊያን ሰባት ተቀቲሎም። መዓስከር ስደተኛታትን ተፈናቀልቲን ከይተረፉ ከምዝተደብደቡ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ እዩ።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ንዝሓለፉ15 ኣዋርሕ እተን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተሰርሓ ድሮናት ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ተጠቂሞምሎም እዮም። ብርክት ንዝበሉ ግና፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ይወርድ ዘሎ ጉድኣት ብምርኣይ፣ ረብሓ ድሮን’ዳኣ እንታይ እዩ ኢሎም ንክሓቱ ደሪኽዎም ኣሎ።

ንወትሃደራዊ ቴክኖሎጂ ዘጽንዕ ዊም ዝውይን "ወትሃደራዊ ይኹን ካልእ ውሽጣዊ ብድሆታት ዘጋጥመን ሃገራት፣ ንኣብነት ኢትዮጵያ ክስዕባ ይኽእላ’የን" ዝብል ሻቅሎት ኣለዎ።

ሙሉእ ዕጽዋ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዋላ’ውን እንተተግበረ ዓለምለኸ ኪኢላታት፣ ኣብ ትግራይ ደብዳብ ዝፍጽማ ድሮናት ኣበይ ደብዳብ ከምዝፈጸማን ዓይነት እተን ድሮናትን ንምንጻር ኪኢሎም ኣለው። ካብ ጎረቤት ኤርትራ ድዩ ወይስ ካብ ሕቡራት ዓረብ ኢመረት፧ ካበይ ከምዝብገሳ’ውን ክፈልጡ ይኽእሉ እዮም።

ብመሰረት’ዚ፣ ኢራን ሰራሕ ማሃጅር ሽዱሽተ ድሮናትን ቻይና ሰራሕ ዊንግ ሉንግ ድሮንን ካብ መደብር ሓይሊ ኣየር ቢሾፍቱ ከምዝብገሳ ተፈሊጡ ኣሎ። ቱርኪ ሰራሕ TB@ ድሮን አብ ባህርዳር መደብራ ከምዝተበገሰት እቲ ሪፖርት ይሕብር።

XS
SM
MD
LG