ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኪንሳሻ ንምቕባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ትዳለው


ፋይል
ፋይል

ርእሰ ኸተማ ዲሞክራቲክ ሪፑብሊክ ኮንጎ ኪንሻሳ ቅድሚ እቲ ድሕሪ ክልተ ሰሙን 31 ጥሪ ዝፍጸም ዑደት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ ወፍሪ ጽርየት ተካየድ። ቡልደዘራትን ካልእ ንምፍራስ ዘገልግሉ መሳርሒ ዝሓዘ ሓደ ብርጌድ ፖሊስ ነቲ ኣብ ቀንዲ ሕምብርቲ እታ ኸተማ ዝርከብ ዘይስሩዕ ጽቅጥቅጥ ዝበዝሖ ናይ ዕዳጋ ቦታ ብምፍርራስ ኣብ ምጽራይ ይርከቡ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ ነታ ኸተማ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ንምቅባልን ንምንቅስቃስ ትራፍክ ምችእቲ ንምግባርን'ዩ። ድሕሪ ምዕዛብ እቲ ወፍሪ ኸንቲባ እታ ኸተማ እቲ መንገዲ ሕጂ ንምንቅስቃስ ትራፊክ ዝሓሸ ምኻኑ ተዛሪቦም።

እዚ ስጉምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍራንሲስ ንዑደት ቅድሚ ምምጽኦም ነታ ልዕሊ 17 ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረላ ኽተማ ንምምልኻዕ ዝዓለመ'ዩ። እቲ ከባቢ ብዙሓት ሰባት ኣብ ጽርግያታት ብዘይ ስሩዕ ንግዲ ብምሻጥን ብምዕዳግን መነባብርኦም ዝመርሕሉ ከባቢ እዩ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG