ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኪርጊስታዊ ዓዚዝቤክ ኣሹሮቭ ናይ 2019 ተሸላሚ ናንሰን ሽልማት ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኮይኑ


ኣብ ኪርጊስታን ሃገር ኣልቦነት ንከብቕዕ ዝሓገዘ በዓል ሙያ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዓዚዝቤክ ኣሹሮቭ ናይዚ ዓመት ክቡር ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሽልማት ናንሰን (UNHCR prestigious Nansen Refugee Award/)ተዓዊቱ።እቲ ሽልማት ብሽም ሊቅ፣ናይ ፖላር ተመራማሪን ናይ መጀመሪያ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታትን ፍሪጆፍ ናንሰን ዝፅዋዕ እዩ።

ኣብ ዙሪያ ዓለም ልዕሊ 10 ሚሊዮን ሃገር ኣልቦ ሰባት ኣለው።ከም ኣብ ሜይንማር፣ቱርኪ፣ዶሚኒካ ሪፓብሊክን ዙምባቤን ዝኣመሰላት ብዙሓት ሃገራት ሰባት መሰረታዊ መሰላት ዜግነቶም ተመንጢሎም ህይወቶም ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት ይርከብ።ክሰርሑ፣ክምሃሩ፣ክንክን ጥዕና ክረኽቡ፣ክምርዐው ወይ ናይ ልደት ወረቐት ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም።

ኪርጊስታን ካብ ዓለም ሃገርኣልቦነት እተጥፍአ ዘላ ፈላመይቲ ሃገር ኮይና’ላ።ዓዚዝቤክ ኣሹሮቭ ነዚ ክግሃድ ዓብይ ተራ ምፅዋቱ ናይዚ ዓመት ሎሬት ናንሰን ኮይኑ’ሎ።ንሱን ገርጋና ቫሊ ሰብሞያ ሕጊ ብዘይዶብ (Ferghana Valley Lawyers Without Borders) ዝተባህለ ትካሉን ንልዕሊ 10,000 ሰባት ናይ ኪርጊዝ ዜግነት ክረኽቡ ሓጊዞም ኣለው።

ሕብረት ሶቪትር ኣብ 1991 ምስ ፈረሰት ኣብ ዝተፈጠራ ሓደሽቲ ሃገራት ብዙሓት ሰባት ብዘይሓጋዚ ኣብ ማእኸል ተሪፎም እዮም።ናይ ሶቪየት ፓስፖርቶም’ውን ሕጋውነቱ ኣብቂዑ ኣብኡ ከምዝተወልዱ ዘረጋግፅሉ መንገዲ ኣይነበሮምን።ኣሹሮቭን ስድርኡን ካብ መንጎ እቶም ሃገር ኣልቦ ሰባት ነይሮም።

ናይ ስድርኡ ኩነታት ንምልዋጥን ካልኦት ኣሽሓት ዜግነቶም ዳግም ክረኽቡ ንምሕጋዝን ከምዝተልዓለ ይዛረብ።ሃገር ኣልቦነት ከብቅዕ ምግባርን ነታ ሃገርን ጠቓሚ ምዃኑ ንመንግስቲ ንምእማን ንዕኡን ንጉጅልኡን ዘጋጠሞም ናይ መጀመሪያ ብድሆ ምዃኑ ይዛረብ።

“ብግብሪ ክንሰርሕ ከለና ጉጅለና ኣብ ናይ መንግስቲ ክፍሊ ፓስፖርት ዝሰርሑ መኮነናት ዝሓቖፈ ነይሩ።ምሳና ሓቢሮም ሰሪሖም።ብፈረስ ከይተረፈ ናብ ከባቢታት ገጠር፣ጎቦታት፣ምስና ተጓዒዞም።ሎሚ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ፈላማይ ስጉምቲ ፈፂምና።ኣብ ሃገረይ ሃገር ኣልቦነት ከብቅዕ ጌርና ኣለና።

“ኣብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲ ኣሹሮቭ ንዝሰርሖ ስራሕ ናእድኦም ገሊጾም ኣለው።

“ቅድሚ ሎሚ ከምዚ ዝበለ ተግባር ሰሪሕና ኣይንፈልጥን።ምስ ምዝባልን ስደተኛታትን ዝዛመድ ስራሕ ስለዝኾነ ንናይ ዓዚዝቤክ ስራሕ ክነኽብሮ ኣለና።ኣብ ዙሪያ ዓለም ከምዚ ዝበለ ኣሉታዊ ፍፃመ ንምንካይ ውልቃውን ትካላውን ተገዳስነት ብሓቂ ክነኽብሮ ዘለና እዩ።”

ናይ ኣሹሮቭ ስራሕ ገና ኣየብቅዐን።ንሱን ትካሉን ናብ ርሑቕ ከባቢታት እናተጉዓዙ ንኩነታት ዝተገፍኡን ዝተገለሉን ጉጅለታት ማሕበረሰብ ናብ ስሩዕ ናብርኦም ንምምላስ ዝሕግዙ ተንቀሳቐስቲ ናይ ሕጊ ጉጅለታት ኣጣይሾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG