ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ጸጥታ ክልል ትግራይ ዝተሓላለኸን ተአፋፊን'ዩ ክብል ወሃቢ ቃል ሕ/ሃ ሓቢሮም


ኣብ ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ትግራይ፣ ኣብ ጽርግያታት ከይተረፈ ድምጺ ከቢድ ብረት ዝሓወሰ ውግእ ይቅጽል ከምዘሎ ዝጠቀሰ ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ጸጥታ ዝተሓላለኸን ኣዝዩ ተባራዒን ከምዝኾነን ሓቢሩ።

ንትካላት ረድኤት ዝጠቀሰ እቲ ሪፖርት "መሕለፊ ስለዘይተረኸበ፣ ሕክምናዊ ቀረባት፣ መግቢን ካልኦት ነገራትን ብሕልፊ ናብ ንክትበጽሓሎም ኣጸጋሚ ዝኾኑ ስፍራታት ምሕላፍ በዳሂ ኮይኑ ኣሎ" ይብል።

ዝዓበየ ክፋል’ቲ ረድኤት እኽሊ ከምዝኾነ፣ ብመሰረት ካብ ባሕቲ ግንቦት ንደሓር ዝተኸፋፈለ ሓገዝ ካብ 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ናብ’ቶም 3.7 ሚልዮን እኽሊ ምብጻሕ ከምዝተኻኣለ ሓቢሩ'ሎ።

ዝሓለፈ ቅነ ልዕሊ 1 ሽሕ ከቢድ ሕጽረት መግቢ፣ ኣስታት 5 ሽሕ ቆልዑ ድማ መጠነኛ ሕጽረት መግቢ ዘለዎም ቆልዑ ክንክን ከምዝተገበረሎም፣ 22 ሽሕ ሰባት ድማ ኣብ’ዚ ወርሒ’ዚ ሕክምናዊ ሓገዝ ከምዝረኸቡ ተፈሊጡ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ዕዳጋ ቶጎጋ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ናብ’ቲ ስፍራ ኣቲና ንክነጻሪዮ ዝገበርናዮ ጻዕሪ፣ ፈቃድ ክንረክብ ስለዘይካኣልና ኣይሰለጠን ይብል ።

XS
SM
MD
LG