ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ዕዳጋ ከብቲን ጤለበጊዕ ቀበሌ 17 መቐለ


ኩነታት ዕዳጋ ከብቲን ጤለበጊዕ ቀበሌ 17 መቐለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:07 0:00

ኩነታት ዕዳጋ ከብቲን ጤለበጊዕ ቀበሌ 17 መቐለ

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ታሕሳስ 29 ወይ ጥሪ 7 ዝዝከር በዓል ልደት ድሕሪ ናይ ፆመ ታሕሳስ ዝኣቱ ብምዃኑ ንዕዳጋ ጠለበጊዕ ክዕምር ይገብሮ እዩ፡፡

ብመሰረት እዚ ናብ ዕዳጋ ብዕራይ ቀበሌ 17 ተንቀሳቂሰ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ንግዲ ከብትን ጠለበጊዕን ዝተዋፈሩ ውልቐ ሰባት ኩነታት ዕዳጋ ምስ ዝሓለፈ እናነጻጸሩ ከዋግዑኒ ሓቲተዮም ነይረ፡፡ ፈለማ ዘዛረብኩዎም ኣይተ ግርማይ ገብረሂወትን ኣይተ ተስፋማርያም ኣረጋውን እዮም፡፡

“ ከብቲ ብበዝሒ ኣትየን ኣለዋ፡ ተጠቃማይ ከም ድልየቱ ኣማሪፁ ንምዕዳግ ይክእል ኣሎ፡፡ ዋጋ እውን ካብ ዝተሓተ 8,000 ጀሚሩ ክሳብ 17,000 ይበጽሕ፡፡ ሰለዚ ተጠቃማይ ከከም ዓቅሙ ዝተኣናገደሉ ኩነታት እዩ ዘሎ፡፡ ምስ ዝሓለፈ በዓል እንክርአ ናይ 500.00 ብር ዝከውን ወሰክ ኣለዎ” ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ቀፂለ ዘዘራራብኩዎ ኣብ ንግዲ ኣባጊዕ ዝተዋፈረ ነጋዳይ አዩ፡፡ ኣይተ ገረዝግሄር ካሕሳይ ይብሃል ፡፡ ኣይተ ገረዝግሄር ምስ ዝሓለፈ በዓል ሓዱሽ ዓመት ዋላ እውን ብኣምሓራ ክልል ተከልኪለን እናሃለወ ዝነበረ ዕዳጋን ሕጅን ቡዙሕ ኣፈላላይ የብሉን፡፡ ካብ 2,500 ክሳብ 4,000/ 4,500 ብር ይበፅሕ ኣሎ ናይ ልደት ዕዳጋ ስለዚ ቡዙሕ ናይ ዋጋ ኣፈላላይ የብሉን፡፡ ሎሚ ኣብ በዓል ልደት ግን ካብ ክልል ኣምሓራ ደሴ፣ አገውን ሰቀጣን ኣትየን ኣለዋ፡፡ ካብ ትግራይ እውን ካብ ኩሉ ከባቢ ስለዝመፅኣ ጽቡቅ ዕዳጋ እዩ ዘሎ ኢሎም፡፡

ብዘይካ እዚኦም ኣለነ ደሰታ ዝብሃል ዓዳጊ እውን ረኪበዮ ነይረ፡፡ ኣለነ ዕዳጋ ዝሓለፈ በዓል ቁዱስ ዮውሃንስን በዓል ልደት ከመይ ረኪብካዮ ኢለዮ፡፡ “እቲ ዕዳጋ ቡዙሕ ኣፈላላይ የብሉን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ በዓል ቁዱስ ዮውሃንስ ካብ ክልል ኣምሓራ ናብዚ ምምፃእ ተከልኪለን ነይረን እየን?? ሕጂ ግን ካብ ደሴን ሰቆጣን ኣከባቢ ኣትየን ኣለዋ፡፡ ይኩን እምበር ምስ ዕዳጋ እንትነፃፀር ግን ቡዙሕ ኣፈላላይ የብሉን፡፡”

ኣብ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ተዘዋዊረ ኩነታት ዕዳጋ ደርሁት እውን ንምፍታሽ ፈቲነ ነይረ፡፡ ዮውሃንስ መዝገበ ዝብሃል ነጋዳይ ደርሁ ረኪበዮ ዝሃበኒ ሓበሬታ ድማ፤ ዕዳጋ ቡዙሕ ዝጋነን ኣይኮነን፡፡ ዝተወሰነ ወሰክ እኳ እንተሃለወ ገዛኣይ ዘማርረሉ ግን ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዝሓለፈ በዓል ቁዱስ ዮውሃንስ ካብ 280 – 300 ብር ዝሽየጣ ዝነበረ ሎሚ እውን ካብኡ ዝረሓቀ ኣይኮነን እቲ ዕዳጋ ድሓን ዘበሃል ደርሆ 350 ይበፅሕ ብድምር ግን ፅቡቅ እዩ ይብል፡፡

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል፡፡

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:24 0:00

XS
SM
MD
LG