ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ክልል ትግራይ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ክልሑኽ ከምዝክእል ሕ/ሃ ሓቢሩ


ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት
ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት

ወሃቢ ቃል ሕቡራት ሃገራት ኩነታት ኣብ ክልል ትግራይ ዘይሃድአን ተኣፋፊን፣ ናብ ክልላት አምሓርን ዓፋርን ክልሑኽ ከምዝኽእልን አተሓባባሪ ሰብኣዊ ጉዳያት ሕቡራት ሃገራት ከምዘፍለጠ ገሊጹ።

ህወሓት እቶም ተዋጋእቲ “ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ” ዮም ዝብሎም ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ግን ተዋጋእቲ ኣካል’ቲ ኣሸባሪ ዝተሰምየ ውድብ ዝብሎም ሓይልታት ናብ’ተን ክልላት ድሕሪ ምስጋሩ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣስታት 200 ሽሕ ኣብ ክልል ዓፋር 76 ሽሕ ሰባት ከምዝተፈናቀሉ እቲ ወሃቢ ቃል ሓቢሩ። "ኣብ ጋሊኮማ ዓፋር ብከቢድ ብረት ተደብዲቡን መኻዚኖ ተቃጺሉን" ዝብል ሪፖርት ከምዝበጽሖን የጻርዮ ከምዘሎን ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ኣሎ።

እቲ ወሃቢ ቃል ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ፣ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ምሒር ከምዝተማሓየሸን ኣስታት 75 ሚእታዊት ከባቢታት ትግራይ ምብጻሕ ከምዝተኻኣለ ኣፍሊጡ። እንተኾነ ዝኣክል ረድኤት ገና ከምዘይተረኸበ ጠቂሱ።

ናብ ክልል ትግራይ እንኮ መእተዊ ብክልል ዓፋር ዝሓልፍ ጽርግያ ጥራሕ ኮይኑ ከምዘሎ፣ ብሰንኪ ጸገም ጸጥታን ፍተሻታት ምትዕንቃፋት ከምዘሎ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ።

ኣገልግሎት በረራ ነፋሪት ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ካብ አዲስ አበባ ናብ መቐለ ክልተ ጊዜ ከምዝተሳለጠ፣ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ መቐለ ናብ ሰመራ’ውን ከምዝተፈጸመ እቲ ዜና ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG