ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩነታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት


ፋይል
ፋይል

ኩናት-ሕድሕድ ሊብያ : ናብ ዋና ከተማ ትሪፖሊ ገጹ ኣብ ዝግስግሰሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ብርክት ዝበላ መዓስከራትን ኣብያተ-ማእሰርትን ዝርከቡ ኤርትራውያን: ህይወቶም ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ወዲቑ ከምዝርከብ ይገልጹ`ለዉ።

ካብ `ሰብዓ` ዝብሃል ከባቢ መዓርፎ ነፈርቲ ትሪፖሊ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ስደተኛታት፡ መዓስከሮም ናብ ግንባር ኩናት ከምዝተቐየረን፡ እቲ ብሸነኽ ምስራቕ ዘሎ ብጀነራል ‘ኻሊፋ ሓፍጣር’ ዝምራሕ ሓይሊ፡ ናብ`ቲ ዘለውዎ ገጹ ይቐርብ ከም ዘሎ ይገልጹ።

ካብ`ቶም ኣብ `ዚታኒ` ትብሃል ከተማ ዝርከቡ፡ ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ድማ፡ ቅድሚ ሎሚ 19 ሰባት ብሕማም ዓባይ ሰዓል ከምዝሞትዎምን፡ ሸፋቱ እናመጹ ከምዝወስዱሎምን ብምረት ይሕብሩ።

ናይ ሕቡራት ሃገራት ጉዳይ ስደተኛታት ነቶም ስደተኛታት ከምዝበጽሕዎም፡ እንተኾነ ግን መግብን ዝስተ ማይን`ኳ ከምዘይረኽቡ፡ እኳ ድኣስ ኣብ` ትሕቲ ገባርን-ሓዳግነትን ሓለውቲ ሊብያ ወዲቖም ከምዝርከቡ ይገልጹ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከም ደቀንስትዮን ትሕቲ ዕድመን ዝበሉ ብውሑድ ቁጽሪ ናብ ኒጀር ከም ዘገዓዕዝ ዝገልጹ`ዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ውሑዳት ከምዘለዉ፡ ንሱ`ውን እንተኾነ ናብ ዓድኻ ንኽትምለስ`ውን ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት(IOM) ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ሸሞንተ ወርሒ ክወስደልኩም እዩ ተባሂሉ በቲ ትካል ከምዝተነገሮም ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም።

ኣብ ትሪፖሊ ዝርከብ ቆንስል ኤርትራ መጺኡና ይፈልጥ`ዩ፡ ግን ናብ ኤርትራ እንተተመለስና ኣብ ኩነታትና ውሕስነት ኣለና ድዩ ኢልና ሓቲትናዮ፡ ኣነ ካብ`ዚ ኣብ ምውጻእኩም`ምበር፡ ኣብ ዓዲ ምስከድኩም ናተይ ሓላፍነት ኣይኮነን ከምዝበሎም ይገልጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኩነታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት
please wait

No media source currently available

0:00 0:13:10 0:00

XS
SM
MD
LG