ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዘ ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ንክልተ ለይቲ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ጽኑዕ መሐከሚ ክፍሊ ድሕሪ ምጽናሕ ክሕሾ ከምዝጀመረ ሰበ-ስልጣን ብሪጣንያ ይገልጹ`ለዉ።
ብኻልእ ወገን ኖርወይ ኣብ ምፍኳስ ደረት ምዕጻው ገዛ ፥ ንደንማርክን ኦስትርያን ትሕወሰን ኣላ። ውድብ ጥዕና ዓለም- ጨንፈር ኤውሮጳ ድማ፥ እቲ ደረት ምዕጻው ኣብዘይሰዓቱ ከይልዓል ኣተሓሳሲቡ`ሎ።
ኣብ ቫቲካን ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ፥ ኣንጻር`ቶም ካብዚ ለበዳ ክጥቀሙ ዝደልዩ ተዛሪቦም። እቶም ከምኡ ዝገብሩ ናብ ልቦም ክምለሱ`ውን ጸልዮም።
ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ድማ ፕረዚደንት ትራምፕ፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ብዛዕባ ተርእዮ ኮሮናቫይረስ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ኣይሃበን ብዝብል ንውድብ ጥዕና ዓለም ዝህቦ ሓገዝ ጠጠው ከምዘብሎ ኣፍሊጡ`ሎ።
ብቫይረስ ኮሮና ብኸቢድ ዝሓመመ ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፥ ድሕሪ ክልተ ለይቲ ኣብ ጽኑዕ ሕክምና ሆስፒታል፥ ሕጂ ኣብ ዝተረጋግኤ ኩነታት ከምዘሎ ሰብ ስልጣኑ ይገልጹ`ለዉ- - ። ብሪጣንያ በቲ ቫይረስ ዛጊት 6,100 ሰባት ሞይቶማ`ለዉ ።
ደቡብ ኮርያ፡ ከም ካልኦት ሃገራት ጽኑዕ ምዕጻው ገዛ ዘይትኽተል ክንሳ፥ ግን ኣብ ምንካይ ሓደሽቲ ዝተሓዙ ትዕወት ኣላ። ሎሚ ረቡዕ 53 ሓደሽቲ ምርካባ- በቲ ዝቐነየ ናይ ምውራድ ደረጃ ትኸይድ ከምዘላ`ዩ ዝግለጽ። ኣብታ ዋና ከተማ ሲኦል ግን ኣብያተ መስተን ኣብያተ መግብን ምስተዓጽወ`ዩ- ካብ ዴገ ኣብ ምእታው`ውን ጽኑዕ ቁጽጽር ትገብር። ማሕበራዊ ምፍንታት ክቕጽል ምጽዋዓ ኣየቋረጸትን- ኣብያተ ትምህርቲ`ውን ተዓጽወ`ዩ።
ደንማርክን ኦስትርያን ደረት ምዕጻው ገዛ ኣፍኩሰንኦ ኣለዋ- ኖርወይ ድማ ኣብ ምፍኳስ ትጽንበረን ኣላ። ኖርወይ ዝመጽእ 20 ሚያዝያ መዋእለ ሕጻናት ክኽፈት- ድሕሪ ሰሙን ድማ ካልኦት ቆልዑ ትምህርቲ ክከዱ መዲባ`ላ። ዳርጋ 6,000 ብቫይረስ ኮሮና ዝተታሕዙ ሰባት ኣለውዋ።
ውድብ ጥዕና ዓለም-ጨንፈር ኤውሮጳ ድማ፥ ዝተጀመረ ጻዕርታት ብዕጽፍታት ክቕጽል`ምበር ኣብዚ እዋን ኣብቲ ናይ መከላኸሊ ስጉምትታት ምፍኳስ ከይግበር ይመክር።
ኣብ ቫቲካን ድማ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ፥ ኣንጻር`ቶም ካብዚ ለበዳ ክጥቀሙ ዝደልዩ ተዛሪቦም- እቶም ካብ ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ክርብሑ ዝደልዩ ድማ- ናብ ልቦም ክምለሱ`ውን ጸልዮም።
ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ፥ ናህሪ`ቲ ቫይረስ ይዝሕል ኣሎ ዝብል ተስፋ ይስማዕ ኣሎ- ገዛኢ ዝያዳ ዝተሃስየት ኒውዮርክ ኤንድሩ ኮሞ፥ እቲ ዝጠቕመና ዘሎ ምዕጻው ገዛ ሓንሳብ ከይንገድፎ ይብል ኣሎ። ነበርቲ ናብ ንቡር ከይምለሱ ዘዘኻኽር ኤንድሩ ኮሞ፥ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣብ 1918፡ ብዝወረደ ለበዳ ኢንፍሉወንዛ፥ ኣብ ሽዱሸተ ኣዋርሕ 30 ሺሕ ሰባት ከምዝሞቱ ይዝክር።
ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኒውዮርክ " ምፍንታት ይሰርሕ ኣሎ፥ ከቢድ`ዩ ግን ክንቅጽሎ ኣለና " ይብል ።
ኣመሪካ ልዕሊ ዕጽፊ ናይ ዝኾነት ሃገር 400ሺሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተታሒዞማ`ለዉ- ።
ጀርመን ሓሙሸይቲ 100 ሺሕ ዝሰገራ ሀገራት ኮይና`ላ- ምስ በዓል ስጳኛ ኢጣልያን ፈረንሳይን ተጸንቢራ ማለት`ዩ።