ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩባንያ ጉግል ምልክታት ገጽ ኣንቢቡ መልእኽቲ ዝህብ ቴለፎን ሰሪሑ


ኣካለ-ስንኩላን ኣቐዲሞም ብዝመዝገብዎ ፍሽኽታ፡ ምንቅስቓስ ሸፋሽፍቲ ዓይኒን ካልእን ኣንቢቡ ዝድውልን መልእኽቲ ዘሕልፍን ቴለፎን ኣንድሮይ ከም ዝሰርሕ ኩባንያ ጉግል ኣፍሊጡ።

እዚ ዕዮ፡ ምልክታት ገጽን ምንባብ ማሺንን ኣጣሚሩ ዝሰርሕ ፈተነ ኰይኑ፡ ተጠቀምቲ ብፍሽኽታ፡ ምኽፋት ኣፍን ምንቅስቓስ ገጽን ኣቢሎም ጥራይ ክድውሉ ብመገዲ ቴለፎን ክበሃሃሉን ከም ዝኽእሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ዝካየድ ዘሎ ፈተነ ኣካል’ቲ ጉግል፡ ብመገዲ ኣንድሮይድ ኣቢሉ፡ ንዅሉ ዘካተተ ፍርያት ቴክኖሎጂ ንምስራሕ ምዃኑ ኣገልግሎት ዜና ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ኣመልኪቱ።

ብመሰረት ጸብጻባት ማእከል ምክልኻል ሕማማት ኣመሪካ፡ ኣስታት 61 ሚልዮን ዝኾኑ ኣካለ-ስንኵላን ኣመሪካውያን ኣለዉ። ነዚ ሃጓፍ’ዚ ንምምላእን ቅድሚ መወዳድርቱ ኣፕልን ማይክሮሶፍትን ንምብላጽን እምበኣር’ዩ ኩባንያ ጉግል ነዚ ብምልክት ዘንብብ ቴለፎን ዝሰርሐ።

ጉግል ብድምጺ ትእዛዝ ዝህብ ማሺን ሰሪሑ ደኣ ይጽናሕ እምበር፡ እዚ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ግን ነቶም ክዛረቡ ዘይክእሉ ኣካለ-ስንኵላን ኣኽእሎ ንምፍጣር ዝዓለመ’ዩ።

እዚ ብናጻ ዝዝርጋሕ ኣፕ ኣብ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ብሪጣንያን ኣውስትራሊያን ንተጠቀምቲ ውዒሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG