ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩባንያ መድሃኒት ፋይዘር ካብ 5-11 ዝዕድሚኦም ቆልዑ ክታበት ቫይረስ ኮሮና ክወስዱ ይክእሉ'ዮም ኢሉ


ፋይል
ፋይል

ኩባንያ ምፍራይ መድሃኒት ፋይዘር ክታበት ቫይረስኮሮና ቆልዑት እውን ክጠቕም ይክእል'ዩ ክብል ኣፍሊጡ።ብፋይዘርን ናይ ጀርመን መሻርኽቱ ባዮንቴክን ዝተስርሐ ክታበት ኮቪድ 19 ክኽተብ ንዝደሊ ዝኾነ ይኹን ልዕሊ 12 ዓመት ተቐሪቡ ይርከብ።ሕጂ ድማ ፋይዘር ከምዝሓበሮ እቲ ክታበት ካብ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ቆልዑ ጀሚሩ ክወስድዎ ከምዝክእሉ ፈተነታት ሕክምና ሓቢሮም ኣለው ክብል ኣብዚ ሰሙን ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ፋይዘር ላዕለዋይ ምኽትል ፕረዚደንትን ናይ ህጻናት ሓኪምን ዶክተር ቢል ግሩበር ‘’ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝርከቡ ቆልዑ ሓያል ናይ ምክልኻልን ዘዕግብ ናይ ድሕነት ኣገባብን ዝገልፅ ክታበት ፋይዘር-ባዮንቴክ ፈላማይ መረዳእታ ወይ ዳታ ንምምሕዳር መግብን መድሓኒትን(FDA) ከም እነቕርብ ብዝለዓለ ታሕጓስ ክገልፀልኩም እደሊ’’ ኢሎም።

እቶም ቆልዑ ብዕድመ ዝደፍኡ ተኸተብቲ ከጋጥሞም ዝኽእል ኣሉታዊ ሳዕቤን ድኻም፣መርዘን፣ናይ ጭዋዳ ሕማምን ካልኦት ከጋጥሞም ከምዝኽእል እቲ መረዳእታ ይሕብር።

ፋይዘር እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም ንንምምሕዳር መግብን መድሓኒትን ብምርካብ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ክሊ ዕድመ ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ሓደ ዓመት ዝርከቡ ቆልዑት ምእንታ ክኽተቡ ሰበስልጣን ፍቓድ ክህቡን ትፅቢት ይገበር።

XS
SM
MD
LG