ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩባኒያ መድሓኒት ፋይዘር ባዮቴክ ተወሳኺ ክታበት ንኣሜሪካ ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ


ኩባኒያ መድሓኒት ፋይዘር-ባዮንቴክ Pfizer-BioNTech ተወሳኺ 100 ሚሊዮን መጠን ክታበት ኮሮናቫይረስ ነቲ ለበዳ ንምቁፅፃር ትቃለስ ንዘላ ኣሜሪካ ከምዘቕርብ ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጡ።

እቲ ኩባኒያ መድሓኒት ምስ ፌደራል መንግስቲ ብዝፈረሞ ናይ ክልተ ቢሊዮን ዶላር ውዕል ክሳብ መወዳእታ ሓምለ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምቕራቡ ክዛዝም ትፅቢት ይግበር።

ናይ ኣሜሪካ ምምሕዳር መግብን መድሓኒትን ነቲ ብፋይዘር ዝቐረበ ክታበት 11 ታሕሳስ ድሕሪ ምፅዳቑ 100 ሚሊዮን መጠን ክታበት ንመንግስቲ ኣቕሪቡ እዩ።

ቅድሚ ኩሉ ነቲ ክታበት ዝረኽቡ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ኣብ መሐብሐቢ ዓበይቲ ዝነብሩን እዮም።ክሳብ ብቅድሚ ትማሊ ሶኑይ ልዕሊ 600,000 ሰባት ቀዳማይ ክታበት ምርካቦም ተፈሊጡ ኣሎ።

ብመሰረት ጆንስ ሃፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ኣሜሪካ ብኮቪድ 19 ዝሞቱ ኣስታት 323,000 ዝተታሓዙ ድማ ልዕሊ 18.2 ሚሊዮን ሰባት ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ቅድሚት ትስራዕ ።

XS
SM
MD
LG