ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩርዳዊያን ደቂ ኣንስትዮ ንቕትለት ኢራናዊት ጓል ኣንስተይቲ ዝቃወም ሰልፊ ኣካዪደን


ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ትርከብ ቃሚሽሊ ትብሃል ኩርዳውያን ዝነብሩላ ከተማ፡ ኣማኢት ደቀንስትዮ ንቕትለት`ታ ኣብ ኢራን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከላ ዝሞተት ማህሻ ኣሚኒ ንምኹናን ትማሊ ሰኑይ ሰልፊ ወጺአን ኔረን።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኩርዳዊት ከተማ ቃሚሽሊ ዝተኣከባ ብኣማኢት ዝቑጸራ ደቀንስትዮ ንሞት እታ ኣብ 22 ዕድሚኣ ኣብ ኢራን ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞተት ጓለንስተይቲ ይኹንና ኔረን። ማህሻ ኣሚኒ ብናይ ስነምግባር ፖሊስ ዘይግባእ ኣከዳድና ጌርኪ ተባሂላ ድሕሪ ምእሳራ`ዩ ሞይታ ተባሂሉ።

ካብተን ኣብቲ ናይ ኩርዳውያን ደቀንስትዮ ሰልፊ ዝነበራ ሓንቲ ተሓላቒት ደቀንስትዮ ሓናን ባኪር ከምዚ ትብል፡“ኣብ ምዕራባዊ ይኹን ምብራቓዊ ወይ`ውን ደቡባዊ ኩርድስታን ዝነብራ ደቀንስትዮ ናጻ ህይወት ክህልወን ንጽውዕ ኣለና። 'ጓለንስተይቲ፡ ህይወት፡ ነጻነት' ዝብል ጭርሖ ሒዝና ተበጊስና ኣለና። ኣላህ ንክንዕወት ክሕግዘና ተስፋ ንገብር።”

እቲ 'ጓለንስተይቲ፡ ህይወት፡ ናጽነት' ዝብል ጭርሖ ኣብ ኢራን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ዝቃላሕ ዘሎ ጭርሖ`ዩ። እተን ደቀንስትዮ ብተወሳኺ፡ ንናይ ኢራን ተሪር ናይ ኣከዳድና ሕጊ ይኹንና`ለዋ።

ካልእ ርእይቶኣ ዝሃበት ተሰላፊት ተቓውሞ ፐርዊን ሓሰን ከምዚ ትብል፡“ናይ ሎሚ ሰልፍና ምስታ ኣብ ኢራን ዝተቐተለት ጓለንስተይቲ ዘለና ሓድነት ንምርኣይ`ዩ። ደቀንስትዮ ኣብ ዝሃለዋ ይሃልዋ፡ ኣብዚ ይኹን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኩልሻዕ ድምጽና ክነስምዕ ኢና።"

ኣስታት 50 ዝኾና ናይ ደቀንስትዮ ማሕበራት ኣብቲ ትማሊ ኣብ ሶርያ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተሳቲፈን ኣለዋ። መንግስቲ ኢራን ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ክብል ንደቀንስትዮ ከምዝጭቁን እተን ተሰልፍቲ ተቓውሞታት ይኸሳ ኔረን።

XS
SM
MD
LG