ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኩሎም ክልላት ዝርዝር ዝተዓወቱ ኣብ ክልተ መዓልታት ከምዘፍልጡ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ሓቢሩ


ኩሎም ናይ ምርጫ ክልላት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ኣብቲ ምርጫ ናይ ዝተውዓወቱ ዝርዝራት ከምዘፍልጡ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዕለት ምርጫ ዝነበሩ ብድሆታት ብዝምልከት እቲ ቦርድ ካብ ፖለቲካዊ ፓርትታት ብዙሓት ጥርዓናት ምቕባሉ አደ መንበር ቦርድ ምርጫ ወይዘሪት ብርቱኳን ሚደቅሳ ገሊፀን።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ጉጂ ኣብ ዝርከብ ነጌሌ ናይ ምርጫ ክልል ድምፂ ከይወሃብ ተከልኪሉ እንተነበረ'ውን ኣብቲ እዋን ድምፂ ምውሃቡ ዝተዛረባ ወይዘሪት ብርቱኳን እቲ ጉዳይ ብሕጊ ስለዝርኣይ ኣብቲ ቦታ ዝተኻየደ ምርጫ ተቐባልነት የብሉን ኢለን ።

XS
SM
MD
LG