ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከፊላዊ ውጽኢት ምርጫ ናይጀሪያ፤ ገዛኢ ሰልፊ ይመርሕ፡ ተቓውምቲ ይነጽጉ


ቀዳም ብተዛማዲ ሰላማዊ ናይ ምድማጽ እዋን ዝሓለፈ ሃገራዊ ምርጫ ናይጀሪያ፡ ካብተን ድምጸን ተቖጺሩ ዘሎ 25 ናይ 36 ክፍለ-ሃገራት፡ ቦላ ቲኒቡ ይመርሕ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ናይጀሪያ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ ምቝጻር ድምጺ፡ ካብ ገዛኢ ሰልፊ ገስጋሲ ባይቶ (All Progressives Congress)፡ ቦላ ቲኒቡ ብ36% ክመርሕ እንከሎ፡ ቀንዲ መቀናቕንቲ ኣቲኩ ኣቡበካር ድማ ብ30% ይስዕቦ ኣሎ። ዛጊት ተቖጺሩ ብዘሎ ድምጺ ብ20% ሳልሳይ ተርታ ሒዙ ዘሎ ካብ ሰልፊ ዕዮ ዝዀነ ፔተር ኦቢ’ዩ።

እንተዀነ ዳርጋ ኵላቶም ተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ እዋን ድምጺ ምሃብ ዝነበረ ዘይምዕሩይነት ብምጥቃስ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ይቃወሙዎ ኣለዉ።

ኣብ ብዙሕ ቦታታት ገለ መድመጺ ማሺናት ክባላሾን ዜጋታት ድሕሪ ነዊሕ መስርዕ ድምጾም ከይሃቡ ክኸዱ ከም ዝተገብረን ብዙሕ ምዕዝምዛማትን ምጕድል እምነትን ፈጢሩ’ዩ።

ሎሚ ሰሉስ ኣብታ ማእከል ንግዲን ምዃና እትፍለጥ ሌጎስ፡ ጎንጺ ከይለዓል ስለ ዝተፈርሐ ሓያሎ ትካላት ንግዲ ተዓጽዩ ውዒሉ ኣሎ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ተሓላቒ ትካል ኮሚተ ንድሕነት ጋዜጠኛታት (CPJ) ትማሊ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብ እዋን ምርጫ ብውሑዱ 14 ኣባላት መራኸቢ ብዙሃን ምእሳሮም፡ ምጕስቓሎምን መጥቃዕቲ ከምዝወረዶምን ጸብጺቡ። “ንማሕበረሰብ መዲያ ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ ሓደ መርኣያ ናይቲ ግሉጽነት ዝጎደሎ ኣገባብ ምዃኑ ዘርኢ’ዩ፡” ክብል ድማ እቲ ትካል ኣመልኪቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG