ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከንቲባ 7ሽሕ ሰባት ብኮሮና ዝተታሕዝዋ ከተማ በርጋሞ ኢጣልያ ከተምኦም እኹል ምድላው ከምዘይገበረት ሓቢሮም


ከንቲባ ኢጣልያዊት ከተማ በርጋሞ ከተማና ከምተን ካልኦት ከተማታት ኣይተቐረበትን`ያ ኔራ ኢሉ። ኣብታ ዝያዳ ዝተሃርመት ወረዳ በርጋሞ 7,000 ሰባት ብሕማም ኮሮና ተታሒዞም። በርጋሞ መጀመርያ ከምተን ካልኦት 10 ከተማታት ቀልጢፋ ኣይተዓጽወትን።

ካልእ ምኽንያት ድማ ካብ ከባቢ በርጋሞ ዝኾኑ 40 ሺሕ ተዓዘብቲ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ኣብ ስታድየም ሚላኖ ድሕሪ ምዕዛቦም እቲ ኩነታት ምልባዕ ኮሮናቫይረስ ከምዝገደደ ከንቲባ በርጋሞ ይገልጽ።

ኣብ ኢጣልያ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት ቁጽሪ ዝተሓዙ እናጎደለ ከይዱ`ሎ- እንተኾነ ኣወሃሃዲ ጻዕርታት ምክልኻል ኮሮኖቫይረስ መንግስቲ ኢጣልያ፥ ሰባት`በቲ ኣወንታዊ ዜና ከይዛነዩን በቲ ወጺኡ ዘሎ መምርሕታት ጥንቃቐ ክኸዱን ኣተሓሳሲቡ`ሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG