ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከንቲባ ከተማ ሸዋ ሮቢት ብዕጡቓት ምቕታሎም ምምሕዳር'ታ ከተማ ገሊጹ


ከንቲባ ከተማ ሸዋ ሮቢት ኣቶ ውብሸት አያሌው ትማሊ ምሽት ካብ ስራሕ ናብ ገዝኦም ክኣትዉ ከለው መንነቶም ብዘይተፈልጠ ዕጡቓት ምቕታሎም ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ምምሕዳር እታ ኸተማ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ንምምሕዳር ሸዋ ሮቢት ካብ መንጎ ዝመርሑ መንእሰያት ኣባላት ኣመራርሓ ምዃኖም ዝተነግረሎም ኣቶ ውብሸት አያሌው: ትማሊ ምሽት ካብ ስራሕ ናብ ገዝኦም ክኣትዉ ከለው ኣብ ዝተቐትልሉ እዋን ኣብ ጥቐኦም ዝነበራ በዓልቲ ቤቶም እውን ጉድኣት በጺሕወን ናብ ሕክምና ተወሲደን ኣለዋ ክብሉ ኣቶ ኑር መሓመድ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ርክብ ህዝቢ ምምሕዳር እቲ ኸተማ ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG