ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከንቲባ ከተማ ሞቃዲሾ ካብ መጥቓዕቲ ኣልሸባብ ብዘጋጠሞም መጉዳእቲ ምሟቶም ተገሊጹ


ከንቲባ ከተማ ሞቃዲሾ ዓብዱራህማን ዑመር ዑስማን
ከንቲባ ከተማ ሞቃዲሾ ዓብዱራህማን ዑመር ዑስማን

ከንቲባ ከተማ ሞቃዲሾ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብታ ከተማ ካብ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ኣልሸባብ ብዘጋጠሞም መጉዳእቲ ምሟቶም ተገሊጹ።

ምክትል ከንቲባ’ታ ከተማ ኢብራሂም ዑመር ማሃዳለ “ ከንቲባ ከተማ ሞቃዲሾ ዓብዱራህማን ዑመር ዑስማን ኣብ ሓምለ 24 ኣብ ቤትጽሕፈቶም ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ብዘጋጠሞም መጉዳእቲ ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ሓሙስ ህይወቶም ከምዝሓለፈ የረጋግጽ” ኢሎም።

ከንቲባ ዓብዱራህማን ኣብ ከተማ ዶሃ ቐጠር ሕክምና ክከታተሉ ድሕሪ ምጽናሕ ትማሊ ሓሙስ ምሟቶም’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ከንቲባ ከተማ ዓብዱራሕማን ኣብ 2018 ከንቲባ’ታ ከተማ ኮይኖም ዝተመዘዙ ኽኮኑ ኸለው በዓል ሓዳርን ኣቦ ሸውዓተ ቆልዑን እዮም።

ዕጡቕ ጥሩፍ ጉጅለ ኣል ሸባብ ነቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ከንቲባ ከተማ ሞቃዲሾ ዝሓለፈ ወርሒ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ብምውሳድ ዒላማኦም ኣቐዲሞም ምስቲ ከንቲባ ዝተራኸቡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማል ዝኾኑ ኣሜሪካዊ ጄሚስ ስዋን ምንባሩ’ውን እቲ ጉጅለ ምሕባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG