ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ፒትስበርግ ኣብ ሓደ ቤት እምነት ብዝተኸፍተ ተኹሲ 11 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ፔንስለቨንያ ከተማ ፒትስበርግ 46 ዓመት ዝዕድሚኡ ጥርጡር ሮበርት ቦወረስ ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም ኣብ ቤተ እምነት ኣይሁዳዊያን ተኹሲ ብምኽፋት ን11 ሰባት ምስ ቀተለ መራሕቲ ሃይማኖትን ስቪል ማሕበረሰብን መልእኽቲ ፅንዓት፣ምክእኣልን ሓድነትን ብምስባኽ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ዝተአከብሉ ትማሊ ከምዝዘከሩዎም ተፈሊጡ።

እቲ ጥርጡር ሎሚ ሶኑይ ናብ ፌደራል ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።ገበን ፅልኣትን ሓዊሱ 29 ናይ ፌደራል ክስታት ይፅበዮ’ሎ።ገበነና ኾይኑ እንተተረኺቡ ድማ ብሞት ክቕፃዕ ይእኽል እዩ።

ካብ 1970ታት ጀሚሩ ኣንፃር ኣይሁዳዊያን ዝፍነው ፅልኣትን ህውከትን ዝከታተል ፀረ-ፀለመ ሊግ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ትካል ብቕድሚ ትማሊ ቀዳም Tree of Life ኣብ ዝተባህለ ሲኖጎግ ኣይሁዳዊያን ዝተፈጸመ ጭፍጨፋ ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ማሕበረሰብ ኣይሁዳ ዝተፈፀመ እቲ ዝኸፍአ እዩ ኢሉዎ’ሎ።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ንክብሪ ግዳያት ጨካን ተግባር ኣብ ህንፃታት መንግስቲ ኣሜሪካ ባንዴራ ብፍርቂ ትሒቱ ክንብልበል ኣዚዞም ኣለው።

XS
SM
MD
LG