ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከተማ ደሴ ኣብ ኢድ ፈደራል ሰራዊት ኢትዮጵያ ምህላዋን ምንቅስቃሳታ ድማ ናብ ንቡር ይምለስ ምህላው ተገሊጹ


ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትርከብ ከተማ ደሴ ኣብ ኢድ ፈደራል መንግስቲ ከም ዘላን ዕለታዊ ምንቅስቃሳ'ውን በብዕለቱ ይደምቅ'ሎ ክብል ናብታ ኸተማ ዝተጉዓዘ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ።

ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ ምስ ክፍሊ ኣምሓርኛ ኣብ ዘካየዶ ሓጺር ቃለ መጠይቅ ዝተፈላለዩ መጉዓዝያታት ኣብ ውሽጢ እታ ኸተማን ሃይቅን ክሳብ ከምሴን ከምዝርአየን ዝኽፈቱ ኣብያተ ንግድን ሆቴላትን ይወስኽ ከምዘሎ ተዛሪቡ'ሎ።

ኣገልግሎት ስልኪ:ማይን መብራህትን ኣብ ጽቡቅ ኩነታት'ዩ ዘሎ ዝበለ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ መስመር ስልኪ ሓሓሊፉ ከምዝቋርጽን ኣገልግሎት ኢንተርነት ግን ከምዘይተጀመረን ጠቂሱ: ብሓፈሻ ምንቅስቃስ እታ ኸተማ ኣብ ደሓን ዝበሃል'ዩ ኢሉ'ሎ።

ኣብታ ኸተማ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከም ትካላት ጥዕና ዝበሉ ጉድኣት ከምዝወረዶም ዝጠቀሰ ሪፖርተር ድምጺ ኣመሪካ 80 ዓመት ዝዕድሚኡ ሆስፒታል ደሴ ጉድኣት ከምዝወረዶን መድሃኒት'ዉን ከምዘየለን ኣቁሑት ላባራቶሪን መፍረይ ኦክሲጂን ኸኣ ኣገልግሎት ከምዘይህብ ተገይሩ'ሎ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG