ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከተማ ኒው-ዮርክ ዜግነት ኣመሪካ ንዘይብሎም ነባሮ ከድምጹ ትሰርሕ


ከተማ ኒው-ዮርክ
ከተማ ኒው-ዮርክ

ከተማ ኒው-ዮርክ ዝርከብ ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ዜጋታት ካልእ ሃገር፡ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ዝግበር ምርጫ ንኽሳተፉ ዘኽእል ንድፊ ሕጊ ኣሕሊፋ ኣላ። እዚ ሕጊ ኣብ ግብሪ ምስ ዝውዕል ኣስታት 800-ሽሕ ዝበጽሑ ወረቐት ነባርነት ዘለዎም ዜጋታት ድምጾም ክህቡ’ዮም።

ባይቶ ከተማ ኒውዮርክ ነቲ ሓድሽ ንድፊ ምርጫ ኣጽዲቖም የሕሊፎሞ ኣለዉ። እቲ ንድፊ ክዕንቀፍ እንተዀይኑ ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ቢል ዲ ብላሲዮ ምፍራሙ ምስ ዝኣቢ ጥራይ’ዩ። እቲ ከንቲባ ክነጽጎ ዘለዎ ተኽእሎ ግን ኣዝዩ ትሑት ምዃኑ ቅርበት ዘለዎም ኣካላት ይዝረቡ።

ምምሕዳር ከተማ ኒውዮርክ ነዚ ድምጺ ምሕላፉ ታሪኻዊ ውሳነ ምዃኑ ይንገር። እዚ ሕጊ ነቶም “Dreamers” ዝብሃሉ፡ ትሕቲ-ዕድመ ናብ ኣመሪካ፡ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ዝኣተዉ’ሞ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ናብ ዜጋታት ንምዃን ዝመጣጠሩ ዓቢ ዜና ምዃኑ’ዩ።

ኣባል ምምሕዳር ከተማ ዝዀነ’ሞ ስድራቤቱ ካብ ኤኳደር ዝመጹ ፍራንሲስኮ ሞያ፡ “እዚ ነታ ገና ወረቐት ስደተኛ ሒዛ ዘላ ኣደይ ናይ ምምራጽ ዕድል ዝህባ’ዩ፡” ክብል ብስምዒት ይዛረብ።

ኣስታት ደርዘን ዝበጽሓ ከተማታት ኣመሪካዊ ዜግነት ንዘይብሎም ነበርተን ኣብ ዘቤታዊ ምርጫ ናይ ምድማጽ ዕድል ከም ዘለወን ይፍለጥ። 11 ከተማታት ካብዚኣተን ኣብ መሬላንድ ዝርከባ ክዀና እንከለዋ፡ ክልተ ድማ ካብ ቨርሞንት’የን። ከተማ ኒው-ዮርክ ምስ ስፍሓታን ብዝሒ ነበርታን ነዚ ዕድል ክትፈጥር ግን ናይ ፈለማ ዓባይ ከተማ’ያ ።

ኣመሪካዊ ዜግነት ዘይብሎም ነባሮ፡ ኣብ ኒውዮርክን ካልኦት ነዚ ዕድል ዝኸፍታ ከተማታትን ንፕረዚደንታዊን ካልእ ሃገራዊ ምርጫን ከምኡ’ውን ንኣማሓድሪ ግዝኣት ኣብ ዝግበር ውድድር ዕድል ምርጫ ኣይክህሉዎምን’ዩ።

እዚ ብኒውዮርክ ተወሲዱ ዘሎ ስጕምቲ ነቶም ኣብ እዋን ምርጫ ስርቂ ድምጺ የጋጥም’ዩ እናበሉ ዝከራኸሩ ዕድል ክኽፍተሎም ከም ዝኽእል ይግምት። ከም እኒ ኣላባማ፡ ኮላራዶ፡ ኣሪዞናን ሰሜን ዳኮታን ዝኣመሰካ ግዝኣታት ንኸም ናይ በዓል ከተማ ኒውዮርክ ዝመስል ሕግታት ፍጹም ዓጽዮንኦ ኣለዋ።

ተበግሶ ከተማ ኒውዮርክ ዝፈጥሮ ካልእ ስክፍታ’ውን ኣሎ። ንዘይዜጋታት ኣብ ምምሕዳር ከተማ ምርጫ ምሃብ፡ ንድምጺን ጽልዋን ጸለምቲ ኣመሪካውያን ክሻመዎን ከቃጥኖን ከም ዝኽእል ተጣበቕቲ ይምጕቱ።

ኣብታ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ዝቕመጣ ከተማ ኒውዮርክ፡ ሓደ ካብ መንጎ ትሽዓት፡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎን በዚ ሓድሽ ሕጊ ድማ ከድምጽ ዝፍቀደሉን ክኸውን’ዩ። በዚ እማመ መሰረት ኣብታ ከተማ ን30 መዓልቲ ዝተቕመጠ’ሞ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ኣመሪካ ዝሓዘ ዜጋ ካልእ ሃገር ንከንቲባ እታ ከተማን ካልኦት ኣካላት ምምሕዳር ከተማን ክመርጽ ዕድል ክህሉዎ’ዩ።

ኣብ እዋን ሃገራዊን ግዝኣታዊን ምርጭታት ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብዝፍለን ንኽልቲኡ ዘከታተን በበይኑ መምረጺ ወረቐት ክዳሎ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ሕጊ ኣብ ግብሪ ምስ ወዓለ’ውን እቶም ዜግነት ኣመሪካ ዘይሓዙ ክሳብ 2023 ኣይክመርጹን’ዮም።

XS
SM
MD
LG