ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከተማ ሸንጀን-ቻይና ብሰንኪ ብዝሒ መልከፍቲ ቫይረስኮሮና ተዓጽያ


ከተማ ሽንጀን
ከተማ ሽንጀን

ቻይና ቁፅሪ ብቫይረስኮሮና ዝተለኸፉ ሰባት ምውሳኹ ስዒቡ ንከተማ ሽንጀን ዓጽያ።ስሊከን ቫሊ ቻይና ተባሂላ እትግለፅ ከተማ ሽንጀን ፎክስኮን(FOXCONN) ዝተባህለ መደብር ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ናይ ኣፕል ኣቕረብቲ ኩባኒያታት ዝርከቡላ ከተማ እያ።

ህዝባዊ መጎዓዚያ'ታ ከተማ ምዕጻውን ነበርቲ መርመራ ቫይረስኮሮና የካይዱ ምህላዎን ተሓቢሩ'ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ብቫይረስኮሮና ምልካፎም ገሊፆም፤ብዓልቲ ቤቶም ሚሸል ግን ከምዘይተታሕዛ ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ ገሊጾም።ክልቲኦም ምሉእ ክታበት ቫይረስኮሮና ወሲዶም'ዮም።

"ሚሸልን ኣነንን ምኽታብናን ኣመስገንቲ ኢና’’ ዝበሉ ኦባማ "ቁጽሪ መልከፍቲ እንተጎደለ'ውን ዛጊት እንተድኣ ዘይተኸቲብኩምን መሐይሊ ክታበት እንተዘይወሲድኩምን ከቢድ ሕማም ንምውጋድን ንካልኦት ንዘይምሕላፍን ተኸተቡ’’ ኢሎም።

ብዝተሓሓዝ ዜና ህንዲ ካብ 12 ክሳብ 14 ዓመት ቆልዑ ንምኽታብ ወፍሪ ከምዝጀመረት ሎሚ ሰኑይ ኣፍሊጣ።እቲ ክታበት ቅድም ክብል ንልዕሊ 15 ዓመት'ዩ ዝወሃብ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG