ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከተማ መቐለ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ሓይሊ ኤሌትሪክ ክትረክብ ምዃና ሰብ መዚ ገሊጾም


ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣቶ ሞገስ መኮንን
ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣቶ ሞገስ መኮንን

ከተማ መቐለ ካብ ሎሚ ምሸት ጀሚሩ ካብ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምትረክብ ተገሊፁ።

ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣቶ ሞገስ መኮንን ንድምፂ ኣመሪካ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ካብ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤክትሪክ ተቋሪፁ ምጽንሑ ገሊጾም።

ሎሚ ሰሉስ ብዝተሰርሐ ፅገና መስመራት ግን እታ ከተማ ምስ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምርኻባ ገሊፆም። ስለዝኾነ ድማ ከተማ መቐለ ካብ ሎሚ ምሸት ጀሚራ ካብ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትረክብ እያ ኢሎም። ከተማ መቐለ ምስቲ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝተራኸበት ካብ ኣላማጣ፡መኾኒ፡መቐለ ብዝተገበረ ፅገና መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ እዩ። እቲ ካብ ከተማ ኣላማጣ ክሳብ መኾኒ ዝተዘርገሐ በዓል 230 ኪሎ ቮልት መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምስተፀገነ፣ ነታ ከተማ ብቐሊሉ ምስ ሃገራዊ መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ ምርኻብ ከምዝተኸኣለ ኣቶ ሞገስ ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG