ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከባብያዊ ጉባኤ ሕ/ሃ ንብከላ ፕላስቲክ ዝምልከት ውሳነ ኣሕሊፉ


ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝተኣከበ ጉባኤ ከባቢያዊ ተፈጥሮ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ብከላ ፕላስቲክ ክውሰድ ዝግብኦ ዝበሎ ዝርዝር ውሳነ ኣሕሊፉ። እቲ ጉባኤ ኣብ ውሳንኡ፡ ንብከላ ፕላስቲክ ዝምልከት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝትግበር፡ ሓደ ኣጠቓላልን ዓለምለኻውን ውዕል ተግባራዊ ክኸውን ጸዊዑ`ሎ።

ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተገብረ ስምምዕ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ጉሓፍ ፕላስቲክ ካብ 175 ሃገራት ዝተወከሉ ልኡኻት ተሳቲፎም ኔሮም። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ነብስወከፍ ዓመት፡ 400 ሚልየን ቶን ፕላስቲክ ይፈሪ: ክሳብ 2040 ድማ እቲ ቁጽሪ ብዕጽፊ ክዛይድ`ዩ።

ሩዋንዳ ፡ሓንቲ ካብተን ኣብ መሬተን ፕላስቲክ ጨሪሰን ዝኣገዳ ሃገራት ክትከውን ከላ፡ ካብ ፕላስቲክ ናጻ ዝኾነት ዓለም ክትርኢ ካብ ዝደፍኣ ዘለዋ ሃገራት`ያ። ሚንስትር ከባቢያዊ ተፈጥሮ ሩዋንዳ ጂያን ሙጃዋማሪያ፡ ሃገራ ካብ ዓለማዊ ሕግታት ኣጠቓቕማ ፕላስቲክ ክትርባሕ ከምትደልይ ትሕብር።

እዛ ሩዋንዳዊት ሚንስትር"እዚ ውሳነ እንተጸዲቑ፡ እዚ ብሕጊ ቀያዲ ዝኾነ መሳርሒ ንከም ሩዋንዳ ዝበላ ሃገራት ጠቓሚ`ዩ። ምኽንያቱ ድሮ ጽቡቕ ግስጋሰ ጌርና ኣለና። ነዚ ዘሎ ጉዕዞ ኣጻፊፍና ነባሪን ዘዋጽእን ኣማራጽታት ክነማዕብል እንተኾይና፡ ሲስተማቲክ ዝኾነ ዓለማዊ ለውጢ የድልየና " ትብል ።

ብዛዕባ ብከላ ፕላስቲክ ዘሎ ክትዕ ኣብ ኣጀንዳ ሕቡራት ሃገራት ካብ 2012 ጀሚሩ ዝጸንሐ`ዩ። ጉሓፍ ፕላስቲክ ንምጉዳል፡ ሓደ ካብ ኣድማዒ ኮይኑ ዝጸንሐ ድማ፡ መስርሕ ዳግማይ-ምጥቓም ፕላስቲክ`ዩ። እንተኾነ ተሓለቕቲ ተፈጥሮ ከባቢ ንሱ ጥራይ በይኑ ነባሪ ፍታሕ ኣይኮነን ይብሉ ።

ኣብዚ ሰዓት`ዚ ካብቲ ዝፈሪ ዘሎ ፕላስቲክ፡ ትሕቲ 10% ጥራሕ ንዳግመ ጠቕሚ ከምዝውዕል ፡ 76% ግን ናብ ጓሓፍ ከምዝድርበ`ውን ይገልጹ።

ኣሚና መሓመድ፡ ምኽትል ዋና- ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ጉባኤ ክትዛረብ ከላ፡ ፕላስቲክ ዘይብሉ መጻኢ ክትፈርሑ የብልኩምን ትብል።

"ብዛዕባ ዳግመ-ጠቕሚ ፕላስቲክ ተማሂርና`ለና። ግን ነዚ ገዚፍ ጸገም ንምእላይ ብታሕትን ብላዕልን ዝተወሃሃደ ሓደ ቅልጡፍን ወሳንን ስጉምትታት ክንወስድ ኣለና። ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ኣብ ሓደ ራእይ ዝረዓመ ምውሃሃድ የድሊ"።

ሕጂ እቲ ውሳነ ጉባኤ ተፈጥሮ ከባቢ፡ ክሳብ 2040 ዓ.ም፡ ናብ ባሕሪ ዝኣቱ ጉሓፍ ፕላስቲክ ብ 80% ክጎድል፡ ከምኡ ኣብ ምግባር ድማ 700 ሺሕ ናይ ስራሕ ዕድል ክኸፍት ዝሕልን`ዩ።

ሓላፊ ፕሮግራም ተፈጥሮ ከባቢ ሕቡራት ሃገራት ኢንገር ኣንደርሰን፡ ምጽዳቕ ውዕል ፕላስቲክ፡ ድሕሪ ናይ 2016 ናይ ፓሪስ ውዕል ክሊማ፡ እቲ ዝለዓለ ኣገዳስነት ዘለዎ ኣህጉራዊ ውዕል ክኸውን`ዩ ኢሉ።

XS
SM
MD
LG