ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ትግራይ ዝተወደበ ገበናት ይፍጸም ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ


መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዘይኣተወለን ከተማታት ክልል ትግራይ፡ ዝተወደበ ገበናት ይፍጸም ከምዘሎ ቀጻሊ ሓበረታ ይመጻና ኣሎ ክብል ኣፍሊጡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝርዝራት ስምምዕ ሰላም ንረብሓ ኩሉ ክብል ብዕቱብ የተግብሮ`ሎ ዝበለ ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ፡ ገለ ገበነኛታት ግን ነዚ ናይ መሰጋገሪ እዋን መዝሚዞም ሕጊ ብምጥሓስ ንፋሉልነት ይጥቀምሉ ኣለዉ ኢሉ።

ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ ብዝዓጠቑ ፓትሮል ማለት ሓለዋ ከይተረፈ ተሰንዩ ገበናት ከምዝካየድ ዝገለጸ እቲ መግለጺ፡ ብድሕሪ መጋረጃ`ዚ ገበናት ዘለዉ ድማ ካብቲ ዝነበረ ግጭት ተረባሕቲ ዝነበሩ`ዮም ኢሉ።

ኣስዒቡ ድማ እዞም ገበነኛታት ተሓተቲ ከምዝኾኑ ፈደራል መንግስቲ ከስምረሉ ይደሊ ይብል። ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ መግለጺኡ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንድሕነት`ቶም ኣብቲ ዝተጠቕሰ ከባቢታት ክልል ትግራይ ዘለዉ ህዝቢ ንምሕላው፡ ኩሉ ኣድላይ ዘበለ ስጉምቲ ብምውሳድ ሓላፍነቱ ክፍጽም`ዩ ክብል ኣሰሚዑ`ሎ።

ወሃቢ ቓል ህወሓት ጌታቸው ረዳ ብወገኑ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ንሕና ክንሰርሓሉ ዘይክኣልና ይኹን ህዝብና ከመሓድሮ ዘይክኣለ ናይ ጸጥታ ስግኣት ካልእ ክገብሮ ኣይክእልን`ዩ፡ ካልእ `ውን ኣይክገብሮን`ዩ ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG