ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦፌኮ ኩነታት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዝርከቡ ዜጋታት ከምዘተሓሳሰቦ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ


ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስ ኮንግረስ ፓርቲ ጉዳይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ከምዘተሓሳሰቦ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ፓርቲ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ጉዳይ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ዝተሓሳስብ ብምዃኑ መንግስቲ ህፁፅ ፍታሕ ክገብረሉ ፀዊዖም።

ንሶም ወሲኾም ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ዝለዓለ ጸገም ገጢሙዎም ከምዘሎ ብምግላጽ ፈቖዶ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከምዝርከቡን ገሊኦም ድማ ከምዝሞቱን ሰሚዕና ኣለና፤መንግስቲ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሓሉ ኣለዎ ኢሎም።

ርእይቶ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ኣይሰለጠን። ቅድሚ ሰሙናት ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምጉዓዝ ብዛዕባ ርክባት ክልቲአን ሃገራትን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ዜጋታት ዝርከቡሉ ኩነታትን መፍትሕታትን ብዝምልከት ተዘራሪቦም ምንባሮም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG