ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦፌኮ: ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዘጋጥም ምጥፋእ ህይወትን ዕንወት ንብረትን ብመንጎኛ አካል ክጻረ ሓቲቱ


ዶ/ር መረራ ጉዲና
ዶ/ር መረራ ጉዲና

አብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝወርድ ዘሎ ናይ ህይወት ምጥፋእ፣ ዕንወት ንብረትን ጸገም ጸጥታን ብሞንጎኛ ኣካል ንክጻረ፣ ፓርቲ ፌደራሊት ኮንግረስ ኦሮሞ ሓቲቱ።

አቦ መንበር’ቲ ፓርቲ ዶ/ር መረራ ጉዲና ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ "ሞት ዜጋታት፣ ምፍንቃል፣ ጥፍኣት ንብረት’ ብሰፊሑ ይዝረበሉ ኣሎ"ኢሎም።

ነቶም ይፍጸሙ ዘለው ጥፍኣታት ቀንዲ ተሓታቲ መን’ዩ? መበገሲኡ’ከ ዝብሉን ካልኦትን ንምንጻር ኣብ ክንዲ ምክሳስ ናብ ፍታሕ ገጽ ምእታው ኣገዳሲ እዩ ኢሎም። እታ ሃገር ካብ ደገን ካብ ውሽጢን ንዘጋጠማ ብድሆ ንምግጣም ገዛኢ ፓርቲን ተቃወምቲን ተቀራሪቦም ንክመኻኸሩ’ውን ጸዊዖም።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ብወገን መንግስቲ፣ ሓላፊ ሲቪካዊ ውዳበ ፓርቲ ብልጽግና ዶ/ር ኣለሙ ስሜ "እቲ ብኦፌኮ ይወርድ ዘሎ ጸገም ብሞንጎኛ ኣካል ክጻረ ኣለዎ ዝብል ጻውዒት፣ መንግስቲ ይሰርሓሉ ኣሎ" ኢሎም።

XS
SM
MD
LG