ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦፌኮ: ኢትዮጵያ ካብ ዘላቶ ጸገም ክትወጽእ ኩሉ ሓቖፍ ዘተ ከምዘደልይ ገሊጹ


ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ፡ ኢትዮጵያ ካብ ዘላቶ ጸገም ክትወጽእ እንተኾይኑ፡ ሓቀኛን ኩሉ ዝሓቖፈን ሃገራዊ ዘተ ምክያድ ኣድላዪ`ዩ ኢሉ ከምዝኣምን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት`ቲ ተቓዋሚ ፓርቲ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ። እቲ ዘተ ቅድሚ ምክያዱ`ውን እቲ ፓርቲ ከም ቅድመ ኩነት ዘቐመጦም ነጥብታት ከምዘለዉ ንሳቶም ድማ ዝተኣሰሩ ኣባላቱ ተፈቲሖም ኣብቲ ዘተ ክሳተፉ ኣለዎም ዝብል ከምዝርከቦ ኣቶ ጥሩነህ ጠቒሱ`ሎ።


ብኻልእ ወገን፡ ሃገራዊ ምይይጥ ንህልውና ሃገር ኣድላዪ`ዩ ክብል ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ ( ኢዜማ) ቅድሚ ሎሚ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ ኔሩ`ዩ።


መንግስቲ ብዛዕባ`ዚ ዳሕራዋይ ጻውዒት ኦፈኮ ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የለን። እንተኾነ ግን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንኩሉ ዘሳተፈ ሃገራዊ ዘተ ከምዝካየድ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ክገልጹ ጸኒሖም`ዮም ።

XS
SM
MD
LG