ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦፌኮ: መራሕቱን አባላቱን ምፍትሖም ኣብ ሃገራዊ ልዝብ'ታ ሃገር ኣበርክቶ ከምዘለዎ ገሊጹ


ጀውሃር መሓመድን በቀለ ገርባን
ጀውሃር መሓመድን በቀለ ገርባን

ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ \ኦፌኮ\ ፓርቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ መራሕቲን ኣባላትን ምፍትሖም ንኹሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ልዝብ ክካየድ ኣበርክቶ ኣለው ክብል ገሊፁ።

ናይቲ ፓርቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ከምዝገለፁዎ መንግስቲ ንኹሉ ዝሓቖፈ ሃገራዊ ልዝብ ንምክያድ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ምፍትሑ ክቕፅል ኣለዎ ኢሎም።

ሚንስትር ፍትሒ ዶክተር ጌድዮን ጤሞትዎስ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ፓርቲ ዝተፈትሑ ዝኸሰሶም ኣካል ነቲ ክሲ ብምልዓሉ እዩ ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG