ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦፌኮ: ሃገራዊ ልዝብ ክካየድን መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረትን ሓቲቱ


ኦፌኮ
ኦፌኮ

ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ \ኦፌኮ\ ሃገራዊ ልዝብ ክካየድን ናይ ስግግር መንግስቲ ክምስረትን ሓቲቱ።

‘’ኢትዮጵያ ኣብ ኣዚዩ ዝኸፍአ ኩነታት ትርከብ ኣላ’’ ክብል 25 ሕዳር 2021 መግለፂ ዘውፅአ ፓርቲ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ: ኢትዮጵያ ኣትያቶ ካብ ዝበሎ ስእነት ሰላም ክትወፅእ ሃገራዊ ልዝብ የድልይ ኣሎ ኢሉ።ፓርቶም ህልዊ ኩነታት እታ ሃገር ኣብ ግምት ብምእታው ናይ ስግግር መንግስቲ የድሊ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት እቲ ውድብ ኣቶ ጥሩነህ ገምታ ገሊፆም።

ሃገራዊ ልዝብ ኣድላይ እዩ ዝበሉ ምክትል ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሚንኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ከበደ ዴስሳ ይኹን እምበር ነታ ሃገር ይመርሕ ዘሎ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስራሕ ይሰርሕ ስለዘሎ ብህዝቢ ዝተመረፀን ሕጋዊ መንግስቲ እናሃለወን ንኢትዮጵያ ናይ መሰጋገሪ መንግስቲ ኣየድልያን' ዩ ክብሉ ነቲ ናይ ኦፌኮ ነቐፌታ ነፂጎምዎ ኣለው ።

XS
SM
MD
LG