ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦፌኮን ኦነግን መንግስቲ ይፍጽሞ ኣሎ ዝበልዎ ማእሰርቲን ቅትለትን ደው ክብል ጸዊዖም


ግንባር ነጻነት ኦሮሞን ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ይፍጽሞ ኣሎ ዝበልዎ ቅትለትን ማእሰርቲን ደው ንክብል ጸዊዖም።

ብዘይካ'ዚ፣ መንግስቲ ጀሚርዎ ዝበልዎ ውግእ ደው ኣቢሉ ምስ’ቶም ዕጡቃት ክላዘብን፣ ነቲ ዘሎ ጸገም ፖለቲካዊ ፍታሕ ክረኽበሉ ሓቲቶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዛጊት ዝሃቦ ግብረ መልሲ የለን። ትማሊ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ርእይቶ ዝሃቡ ሚኒስትር ኮምኒኬሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ "ኣብ ልዕሊ መደብራትን ከባቢታትን ኦነግ ሸኔ መንግስቲ ስጉምቲ ይወስድ ዘሎ፣ እዩ" ኢሎም ነይሮም።

ኦፌኮ ኣብ መግለጺኡ "ንናይ ዜጋታት ድሕነት ናይ ምሕላው ግዴታ ምውጻእ ዘይምኽኣል ማለት፣ ናይ’ቲ ስርዓት ውድቀት መግለጺ እዩ" ይብል።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG