ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦዴፓ ከንቲባ አዲስ አበባ ካብ መዝነቶም ክለዓሉ ከምዘይወሰነ ኣፍሊጡ


ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ ኣቶ ታከለ ኡማ
ከንቲባ ከተማ አዲስ አበባ ኣቶ ታከለ ኡማ

ምኽትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣቶ ታከለ ኡማ ካብ ስልጣኖም ንክልዓሉ ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣይወሰነን ክብሉ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ናይቲ ውድብ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ኣፍሊጦም።

ምኽትል ከንቲባ ታከለ ኡማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብ ስልጣኖም ከምዝልዓሉ ከምዝተነገሮም ግን በደብዳበ ዝተደገፈ ትእዛዝ ከምዘይቀረበ ነቶም ከንቲባ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።እቶም ምኽትል ከንቲባ እውን በቲ ዝቐረበ ሓሳብ ሕጉስ ከምዘይነበሩ ተፈሊጡ’ሎ።

ቤት ፅሕፈት ናይቲ ከንቲባ ኣብ ናይ ፌስቡክ ገፁ ‘’ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣብስራሖም ኣለው’’ ዝብል ሓበሬታ ትማሊ ሓሙስ ምውጽኡ ይፍለጥ።

ናይ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ካብ ስርሖም ይልዓሉ፣ኣብ ካልእ ስራሕ ይመደቡ ኢሉ ኣይወሰነን፣ለውጢ የለን ክብሉ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ወሲኾም ኣረዲኦም።

XS
SM
MD
LG