ዋሽንግተን —
ኣብ ኬንያ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣብ መንጎ ደገፍቲ እቶም ክልተ ቀንዲ ሕፁያት ዊልያም ሩቶን ራይላ ኦዲንጋን ወጥሪ ፈጢሩ ይርከብ። ሰብ ሞያ ድምፂ ተጭበርቢሩኒ ዝበሉ ኣካላት ክስታቶም ናብ ቤትፍርዲ ክወስድዎ ከምዝኽእሉ ይሕብሩ።
ኣብቲ ምርጫ ዘይተዓወቱ ተወዳደርቲ ኾኑ ኮኑ በቲ ውፅኢት ዘይሰማምዑ ኬንያዊያን ተቃቓውሞኦም ናብ ቤት ፍርዲ ንምቅቕራብ ሸውዓተ መዓልታት ጥራሕ እዩ ዘለዎም። ኣቦ መንበር ኮምሽን ምርጫ ኬንያ ንዊልያም ሩቶ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተካየደ ምርጫ ተዓዋታይ ክብል ገሊጹ'ሎ። ንሶም 50.49% ድምፂ ክረክቡ ከለዉ። ቀንዲ መወዳድርቶም ራይላ ኦዲንጋ ድማ 48.85% ድምፂ ምርኻቦም ተሓቢሩ'ሎ።
ናይ ኦዲንጋ ወከልቲ ምርጫ ግን በቲ ውፅኢት ከምዘይሰማምዑን ድምፆም ምጭብርባሩ ይገልጹ።ኦዲንጋ ነቲ ውፅኢት ተቃ፟ዊሞም ናብ ቤትፍርዲ ክኸዱ ብዛዕባ ምዃኖም ዝተፈልጠ ነገር እኳ እንተዘይሃለወ ሕጊ እታ ሃገር ግን ኬንያውያን ንውፅኢት ምርጫ ተቃ፟ዊሞም ክሲ ክምስርቱ ከምዝኸእሉ ዘፍቅድ እዩ።