ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦነግ: ኣብ ዝመጽእ ምርጫ ንምስታፍ ዕንቅፋት ይገጥመና'ሎ ኢሉ


ግንባር ናጽነት ኦሮሞ፡ ኣብ ኣባላተይ ማእሰርቲ ኣብያተ ጽሕፈተይ ድማ ምዕጻው ኣብ ምርጫ ንምስታፍ ዕንቅፋት ይፈጥረልና`ሎ ኢሉ።

እቲ ውድብ ኣብ ልዕለይ ተፈጢሮም ኣለዉ ዝበሎም ዕንቅፋታት እንተተኣልዮም ኣብቲ ምርጫ ንምስታፍ ከምዝደሊ`ውን ኣቶ ዳውድ ኢብሳ ገሊጹ`ሎ።

ኣብ መሪሕነት ግንባር ናጽነት ኦሮሞ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንክጽዋዕ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣቐድም ኣቢሉ ዝጸውዐ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ግንባር ብወገኑ ማእሰርቲ ኣባላቱን ምዕጻው ኣብያተጽሕፈቱን ነቲ ጉባኤ ንምድላው ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዝጸንሐ ይገልጽ።

ይኹን`ምበር ብዘለዎ ዓቕሚ ነቲ ጉባኤ ንምጽዋዕ ስራሕ የካይድ ምህላዉ ኣዳላዊ ኮሚቴ ኣፍሊጡ`ሎ።

XS
SM
MD
LG