ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦነግ ምስ መንግስቲ ንምልዛብ ሓድሽን ዘይወገናዊን አካል ከምዝደልይ ኣፍሊጡ


ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብዘውፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላም ንምፍጣር ብሓዱሽን ዘይወገናዊን ኣካል ክላዘብ ከምዝደልይ ገሊፁ።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ሞትን ዕንወትን ይፈጥር ኣሎ ክብሉ ይኸሱ።

ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ብወገኑ ዕጡቓቱ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክፅንበሩ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣተዎ መፅብዓ ኣየኽበረን ክብል ይኸስስ።ብሰንኪ እዚ ድማ ምትእምማን ከምዝጠፍአ ወሃቢ ቃል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ቶሌራ ኣደባ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

ወሃቢ ቃል ገዛኢ ፓርቲ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ታየ ደንድኣ ብወገኖም ብቕዓት ዘለዎም ኣባላት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ምስ ፖሊስ ክልል ኦሮሚያ ምፅንባሮም ክእለት ዘይብሎም ድማ እግሪ መትከሊ ተዋሂቡዎም ምስቲ ሕብረተሰብ ክፅንበሩ ተገይሮምን እዮም ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም።

ሰማዕትና ድምጺ ኣሜሪካ ንኽልቲኦም ብሓባር ዓዲሙ ዘካየዶ ዘተ ኣብ ዝቕፅል መደብና ክነቕርቦ ኢና።

XS
SM
MD
LG