ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦነግ መንግስቲ ኲናት ኣዊጁልና ክብል ከሲሱ


መንግስቲ ኲናት ኣዊጁ ክብል ግንባር ሓርነት ኦሮሞ/ኦነግ/ ከሲሱ።ኣስመራ ዝተኻየደ ውዕል ተግባራዊ ከይኸውን መንግስቲ ዕንቅፋት ይፈጥር ኣሎ ክብሉ ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳዊት ኢብሳ ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን ፈፃሚ ስራሕ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኦሮሞ ትማሊ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ሓይልታት ጥፍኣት ንኦሮምያ ዓውዲ ኲናት ንኽትኸውን እናተንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ፀጥታ ቕትለት እናተፈፀመ ምዃኑ ገሊፁ’ሎ።

እቲ ፈፃሚ ስራሕ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ኣመልኪቱ ኣብዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣሕሊፉ’ሎ።

እቲ መግለፂ ኣብ መንጎ ኦሮሞ ዝካየድ ዕጥቓዊ ቓልሲ ሰዓራይን ተስዓራይን ዘይብሉ እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ ናይቲ ህዝቢ ሰላም ክዝረግ፣ህዝቢ ብሰላም ወፂኡ ከይኣቱን ስግኣት ክስምዖን፣ናይቲ ህዝቢ ፀገማት ዝፈትሑ ፕሮጀክትታት ደው ክብሉን ዝተኣተወ መፅብዓ ከይዕወት ናይ ውሽጥን ወፃእን ሓይልታት ጥፍኣት ኦሮሞ ሃገር ክመርሕ ኣይክእልን ብዝብል ውዲት መዓልቲ ምስ ለይቲ ይሰርሑ ኣለው ይብል ።

ፀላእቲ ብዝኣለምዎ ብናይ ባዕልትና ሰባት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ህዝቢ ጨካን ናይ ሽብር መጥቓዕቲ እናተፈፀመ ህይወት ሰብ ይሓልፍ፣ደቂ ኣንስትዮ ይድፈራ፣ንብረት ይዓኑን ህዝቢ እውን ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ እናተደረት፣ኣባላት ኣመራርሓ ኦዴፓን ፖሊስ ኦሮሚያን ብዘሰቅቕ ህይወቶም ሓሊፉ’ሎ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኦነግ መንግስቲ ኲናት ኣዊጁ ክብል ከሲሱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:47 0:00

XS
SM
MD
LG