ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ)፡ ካብ ፈለማ ወርሒ ግንቦት ኣትሒዙ ከጽንዖ ዝጸንሐ ገምጋም ኢትዮጵያ ትማሊ 23 መስከረም ዘርጊሑ ኣሎ። እቲ ትካል ኣብ መግለጺኡ፡ ሰብኣዊ ኩነታት ትግራይ ብቐጻሊ እናኸፍአ ይኸይድ ከም ዘሎ ከመልክት እንከሎ፡ እቲ ውግእ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን’ውን ብምልሓሙ ንሰለስቲኡ ክልላት ኣዝዩ ጸልዩ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ጸብጻብ ኦቻ ከም ዘመልክቶ፡ ብ20 መስከረም 62 ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ክልል ትግራይ ይእተዋ ደኣ እምበር፡ እዚ ቍጽሪ 11 ሚእታዊት ናይቲ ዝድለ መጠን ምዃኑ ጠቒሱ።
እቲ ጸብጻብ ወሲኹ፡ ንተመዛበልቲን ካልኦት በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ወገናት ዝውዕል ገንዘብ’ውን ኣስታት 5% ናይቲ ዝድለ መጠን ጥራይ ተባጺሑ ምህላዉ ወሲኹ።
ኣብ ክልል ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ናብ ክልል ዓፋር ብምልሓሙ’ውን፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ’ቲ ክልል ካብ ሰለማዊ መነባብሮኦም ተመዛቢሉ ምህላዉ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ብተመሳሳሊ እቲ ኲናት ንኽልል ኣምሓራ ኣመና ጸልዩን ህይወት ሰለማዊ ህዝቢ ኣመዛቢሉን ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። ብሕልፊ እኳ ኣብ ዝበዝሐ ክፋላት ጎንደር፡ ደቡብ ወሎን ዞባ ኣዊን ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ተመዛቢሎም፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክረኽቡ ኣብ ዘይክእልሉ ደረጃን ውሕስነት ዝጎደሎ ህይወትን ይነብሩ ከም ዘለዉ ጸብጻብ ኦቻ ይጠቅስ። ኣብ ሰለስቲኡ ክልላት መጠናዊ ሓገዛት ደኣ ይባጻሕ ይሃሉ እምበር፡ እቲ ዓቐን ግን ካብቲ ዝድለ ኣዝዩ ትሑትን ዝያዳ ምውህሃድ ዝሓትትን ምዃኑ እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።