ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦቻ ናብ ክልል ትግራይ ዘድሊ ሓገዛት ንምብጻሕ ከም ዝተጸገመ ይግለጽ


ምውህሃሃድ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት (ኦቻ) ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ናብ ክልል ትግራይ ንምብጻሕ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ብሕልፊ እኳ ብስእነት ቀረባት ነዳዲ ኣመና ይጽገም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ’ቲ ቤት ጽሕፈት፡ ብመገዲ እታ እንኮ መሕለፊ ዘላ ክልል ዓፋር ኣቢለን፡ ዝሓለፈ ሰሙን (ካብ 21-28 መስከረም) 79 ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ከም ዝተላእካ ኣፍሊጡ። ካብ 12 ሓምለ ኣትሒዘን ናብ ክልል ትግራይ ኣትየን ዘለዋ ናይ ጽዕነት መካይን 606 ክበጽሕ እንከሎ፡ ብገምጋም እቲ ቤት ጽሕፈት ግን መዓልታዊ 100 መካይን ሓገዝ’የን ክኣትዋ ዝድለ።

ኦቻ፡ ቀንዲ ማሕንቖ ኢሉ ዝጠቐሶ፡ ካብን ናብን ክልል ትግራይ መካይን ንምንቅስቓስ ዝፍጠር ዘሎ ዋሕዲ ነዳዲ’ዩ። ስእነት ቀረባት መድሃኒት’ውን ከም ዘሎ እቲ ቤት ጽሕፈት ይውስኽ።

ንግዳዊ በረራታት ካብን ናብን መቐለ ካብ 28 ሰነ ድሕሪ ምቍራጹ፡ ምስ ምውዳእ ዋሕዲ ቀረባት፡ ዋጋ መሰረታዊ ሃለኽቲ ኣብቲ ክልል፡ ኣብ ገሊኡ ክሳብ ብ400% ወሲኹ ኣሎ: ሓያሎ ሰብኣዊ ሓገዛት ዝህባ ትካላት ቅሩብነትን ደኣ ይግለጻን ዝከኣለን ይገብራ ይሃለዋን እምበር፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ቀረባት ግን እቲ ተበጻሕነት ኣመና ውሱን ምዃኑ ኦቻ ይጠቅስ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ናብቲ ብዂናት ኣዝዩ ተጸልዩ ዘሎ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ኣብ ስራሕ ከም ዘሎ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ የነጽር። ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንኣስታት 52-ሽሕ ውሽጣውያን ተመዛበልቲ ክልል ዓፋርን 163-ሽሕ ተመዛበልቲ ኣብ ክልል ኣምሓራን ክሕግዝ እንከሎ፡ ካልኦት ዘይመንግስታውያን ትካላት’ውን ኣብ ክልል ኣምሓራ ንልዕሊ 200-ሽሕ ተጸበይቲ ረዲኤት ሓገዝ ኣባጺሖም።

ንፍቓድ ዝደሓራ መካይን ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ምስጋናኡ ዝገለጸ ሕቡራት ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ክባጻሕ ከኽእል ይጽውዕ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG