ኣዲስ ኣበባ —
ብሰንኪ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተጓሃሂሩ ይቕጽል ዘሎ ኲናት፣ ናብቲ ክልል ዝግበር ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ይሰናኸል ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።
ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ (ኦቻ) ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ እቲ ኲናት ትካላት ረድኤት ናብ ዝሰርሑሎም ከባብታት እናቐረበ ብምምፅኡ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ይሰናኸል ኣሎ ይብል።
ይኹን ደኣ እምበር እቲ ትካል ነቶም ካብ ታሕታይ ኣድያቦን ሸራሮን ዝመፁ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ ኣብ 1 ን 2 ጥቅምቲ ሓገዝ ከምዘቕረበሎም ይሕብር።
ኦቻ ካብ መንጎ እቶም ካብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝመፁ 210-ሽሕ ሓደሽቲ ተመዛበልቲ፣ ነቶም 154-ሽሕ ሓገዝ ከምዘቕረበሎም ገሊፁ ኣሎ።
እቶም ካብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ተመዛቢሎም ኣብ ዘላዘለ ዝበሃል መዕቖቢ ዘለው ተመዛበልቲ ኣብ ኣዝዩ ኣፀጋሚ ኩነታት ከምዝርከቡ ድማ እቲ መግለፂ የመልክት። መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ሎሚ ኣብዘውፀኦ መግለፂ፣ ናብቶም ሰራዊቱ ተቖፃፂሩዎም ዘለው ከባብታት ሰብኣዊ ሓገዝን ካልኦት ኣገልግሎታትን ንምቕራብ ከምዝተዳለወ ኣፍሊጡ።
ነዚ ዘሳልጥ ኮሚቴ ከምዘጣየሸ'ውን ሓቢሩ። መራሒ እቲ ኮሚቴ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባብታት ህፁፅ ሓገዝ ንምግባር መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዑል ጠመተ ሂቡ ይሰርሐሉ ከምዘሎ ገሊፆም።