ቤት ጽሕፈት ህጹጽ ሓገዛት ሕቡራት ሃገራት(ኦቻ) "ብሰንኪ ሕጽረት ቀረባት፣ ኣብ ክልል ትግራይ ይቅጽለሉ ዝነበረ ወፍሪ ንከቋርጾ ከምዝግደድ" ገሊጹ።
ካብ መፋርቅ ታሕሳስ ጀሚሩ ብሰንኪ ውግእ ረድኤት ናብ’ቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ሚልዮናት ተጋሩ ንምብጻሕ ኣይተካኣለን ዝበለ ወሃቢ ቃል ኦቻ የንስ ለርክ ሕቡራት ሃገራትን ውልቀ ትካላትን፣ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲን ገንዘብን ዝኣምሰሉ ቀረባት፣ ስራሕቶም ዛጊት ተወሲኑ ከምዘሎ ምግላጾም ዝዝከር እዩ።
"ኣብ ባይታ ይነጥፉ ዘለው ኣዋሃሃድቲ፣ ስራሕቶም ክሳብ መወዳእታ ለካቲት ከብቅዕ ከምዝኽእል ይዛረቡ ኣለው። ቀረባት ዝተማለአ መግቢን ንኣዝዮም ጉድለት ኣመጋግባ ዘለዎም ይዋሃብ ዝነበረ መግቢ ዛጊት ተጸንቂቁ እዩ።"
ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብወገኑ፣ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድሚኦም ካብ ዝኾኑ ቆልዑ ትግራይ እቶም 13 ሚእታዊት፣ ፍርቂ ነብሰ ጾር ደቂ ኣንስትዮን ዘጥቡባን፣ ጉድለት መግቢ ከምዘጋጠሞምን፣ እዚ ኩነታት’ዚ፣ ንሓደጋ ሕማምን ሞትን ከቓልዕ ከምዝኽእልን እቲ ዜና ይሕብር።
ቀረብ ነዳዲ ኣብ ትግራይ ዝሓለፈ ሰሙን ከምዝተጸንቀቀ ዝጠቅስ ወሃቢ ቃል ኦቻ፣ ሰራሕተኛታት ረድኤት ብእግሮም እናተጓዓዙ ይሕግዙ ከምዝጀመሩ ኣፍሊጡ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ፣ ኣብ ክልል ዓፋር ድማ ናብ ኣስታት 380 ሽሕ ህዝቢ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራሕ ከምዝተባጽሐን እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ