ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦቻ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ከቕርብ ከምዘይከአለ ይገልጽ: መንግስቲ ግን መግቢ ተንከፍ ዘይኾነ ሓገዝ ምብጽሑ ይገልጽ


ፋይል

ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ትፅሕፈት ኣወሃዲ ሰብኣዊ ጉዳያት ኦቻ ሕጂ እውን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እኹል ሓገዝ ከምዘየቕረበ ኣፍሊጡ ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ግን ኣብዚ ሰሙን መግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ቀረባት ብነፈርቲ ከይተረፈ ናብ ክልል ትግራይ ተላኢኹ ክብል ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ብወገኖም ኣብ ምዕራብ ዓለም ዘለው ኣካላት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝግበር ፃዕሪ ዋጋ ኣይህብዎን ዘሎ ክብሉ ነቒፎም ኣለው።

ኦቻ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብኣዊ ረድኤት ዝፀዓና 80 መካይን ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ካብ መጀመሪያ ሓምለ ጀሚሩ 686 መካይን ረድኤት ፅዒነን ናብ ትግራይ ምእታወን ዝሓበረ ኦቻ እዚ ግን ካብ ዘድሊ መጠን ረድኤት 12 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ይብል።

ወሃቢ ቃል ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ብዛዕባ እቲ ሕፅረት ተሓቲቶም ፀገማት እንተሃለው እውን ተጋኒኑ ይቐርብ ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃዲ ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት መንግስታት ኦቻ ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምምላእ ኣብ መዓልቲ 100 መካይን ናብቲ ክልል ክኣትዋ ኣለወን ።

ናብ ክልል ትግራይ ናይ መወዳእታ ነዳዲ ዝኣተወ ኣብ ፍርቂ ሓምለ ከምዝነበረ ዘዘኻኸረ እቲ መግለፂ ብርክት ዝበሉ ትካላት ረድኤት ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ናብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ምኻድ ከምዘይተኽኣለ ሓቢሩ ኣሎ።

ኣምባሳደርዲና ሙፍቲ ቴክኒካዊ ዝኾኑ ነገራት በብእዋኑ ንምፍታሕ ፃዕሪ ይካየድ ኣሎ ኢሎም።

ኦቻ ቀረባት መድሃኒትን ሕክምናን ብምህላው ኣብ ዓይደር ሆስፒታ 18 ሰባት ምሟቶምን ናይ ዅሊት ምህጻብ\ዳያለሲስ\ ብቕልጡፍ እንተደአ vቀሪቡ ህይውት 34 ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ ይብል።

ኣብ ደቡብ ትግራይ ወረዳ ስላዋ ኣብ እዋን ወሊድ ሕክምና ብዘይ ምርካበን ደም ፈሲሱወን ሓሙሽተ ኣዴታት ሞይተን ኣለዋ። ኦቻ ወሲኹ ስኣን ዓቕሚ ኣብዚ ሕጂ ስዓት ትካላት ረድኤት ካብ 125 ትካላት ጥዕና ን13 ትካላት ጥዕናን ጥራሕ ከምዝሕግዙ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ብኻሊእ ወገን ድማ ናይ ሕቡራት መንግስታት ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ክልላት ዓፋርን ክልል ኣምሓራን ንዝተፀገሙ ሰባት ናይ መጀመሪያ ዙር ምክፍፋል ምግቢ ከምዝወገነ ኣብ ኢትዮጵያ ወሃቢት ቃል ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ገማ ስኖውደን ኣፍሊጠን።ኣብ ትግራይ ግን ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት ዝፈጥሩዎ ሕፅረጵ ቀረባት ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘሎ ወሲኸን ገሊፀን።

XS
SM
MD
LG