ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦብነግን ዲሞክራሲያዊ ምትሕብባር ሶማልን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን ኣቐባብላ ተጌርሎም


 ከተማ ድሬዳዋ
ከተማ ድሬዳዋ

ኣብ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ቓልሲ ንምስታፍ ዝወሰኑ ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን መፃምዱ ፓርቲ ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ሶማልን ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።ናይ እንኳዕ ደሓን መፃእኹም መረደ ዘስምዑ ሓላፊ ቢሮ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ምምዕባል ዓቕሚ ሰብን ኣቶ ኣቡበክር ኣዶሻ ብሓባር ንምስራሕ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።

ኣብቲ ናይ ምቕባል ስነስርዓት መደረ ዘስምዑ መራሕቲ እተን ውድባት ነበርቲ ድሬዳዋን ከባቢኡን ብዝገበረሎም ኣቀባብላ ሕጉሳት ምዃኖም ገሊፆም ኣለው።

ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ኣድሚራል መሓመድ ዑመር ዑስማንን ናይ ሶማሊያ ክልል ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ዶ/ር ዘካሪያ መሓመድ ሓሰን ሓድነት ህዝቢ ሶማሊያ ንምሕላው ውህደት ክልቲኦም ውድባት ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።

“ሓድነት ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓድነት ህዝቢ ሶማሊያን እዩ።ህንፀት ዴሞክራሲ ክቕፅል ኣለዎ።ዴሞክራሲያዊት ዝኾነት ኢትዮጵያ ንደልይ ኢና።”

ናይ ምንፃል ድልየቶም ገዲፎምዎ እንተኾይኖም ዝተሓተቱ ኣድሚራል “መሰልካ እንተድኣ ዘይተኸቢሩ፣ፍትሕን ማዕርነትን እንድሕር ዘየለ ክትግለል ከለኻ እዩ ምንፃል ከም እንኮ መማረፂ ዝኸውን።ሓደ ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ እንተኾይንኻ መሰልካ እንተድኣ ተረጋጊፁ ኣካል ኢትዮጵያ ኢኻ” ኢሎም።

ንሶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ግንባር ሓርነት ኦጋደን ወታደር ከምዘይብሉ እቶም ዝነበሩዎ ኣብ ካምፕ ክምዝርከቡን ገሊፆም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG