ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦሮምያ፡ ኣብ ከተማ ዱሊላ ሓሙሽተ ሰባት ብሰራዊት ምክልኻል ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ቦረና ወረዳ ሚኦ ከተማ ዱሊላ ትማሊ ሶሉስ ምሸት ክልተ መርዓውትንን ካልኦት ሰለስተ ሰባትን ብሰራዊት ምክልኻል ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ገሊፆም።ካልኦት ክልተ ሰባት እውን ቆሲሎም።

ሓደ ሽሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነባሪ ከተማ ዱሊላ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ከምዚ ኢሎም።

“ብሞተር ብሽክሌታ መርዓት ሒዞም ናብ ናይቲ መርዓዊ ገዛ እናኸዱ ነይሮም።ሓይልታት ምክልኻል እውን ኣብታ ከተማ ነይሮም።ደው ክብሉ ክነግሩዎም ከለው ነታ ሞተር ብሽክሌታ ደው ስለዘየበሉዋ ቶኪሶም ነቶም ተመረዓውቲ ቀቲሎምዎም።ህይወት ሰለስተ ሰባት ብከምዚ ጠፊኡ።ብምቕፃል እውን ኣብታ ከተማ ይጉዓዙ ንዝነበሩ ሰባት ቶኽሲ ከፊቶም ንሰለስተ ሰባት ቐቲሎም ብድምር ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ጠፊኡ’ሎ” ኢሎም።

ቀተልቲ ናብ ፍርዲ ክሳብ ዝቐርቡ ሬሳ ናብ ማእኸል ጥዕና ኣይንወስድን ከምዝበሉ እውን ተፈሊጡ።

ዝቖሰሉ ናብ ያቤሎ ሆስፒታል ተላኢኾም ኣለው።ኣዘዝቲ ሰራዊት ምክልኻል ነቲ ጉዳይ የፃሪዩዎ ከምዘለው ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን እቲ ወረዳ ኣቶ ሳሩ ጉቴ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም ኣለው።

XS
SM
MD
LG