ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ኦሚክሮን መዛዘሚ ለብዒ ኮቪድ19 ክኸውን ትኽእሎ ኣለዎ" ተመራመርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ


ተመራመርቲ ደቡብ-ኣፍሪቃ ፈልቂ ኦሚክሮን ቫይረስኮሮና ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ደልታ ብ25% ዝትሕት ናይ ምጥቃዕ ሓይሊ ከም ዘለዎ ኣብ ዝገበሩዎ መጽናዕቲ ምግንዛቦም ሓቢሮም። እቶም ተመራመርቲ ወሲኾም፡ ኦሚክሮን ኣብቶም ዘይተኸትቡ’ውን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝተሓተ ናይ ምጥቃዕ ተኽእሎ ከም ዘለዎ ይሕብሩ። እዚ ድማ እቲ መጨረሽታ ክብጻሕ ዝድለ ዕላማ ውህሉል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ምፍጣር ጽቡቕ ኣንፈት ከም ዝህብን ብእኡ ኣቢሉ ድማ ነቲ ለብዒ ንምቍጽጻሩ ዝሓሸ ማዕዶ ከም ዝኸፍትን ይገልጹ።

እቶም ተመርመርቲ ሽሕ እኳ ፈልቂ ኦሚክሮን ነቶም ኣቐዲሞም ዝተኸትቡ’ውን ዘጥቅዕ ምዃኑ እንተ ገለጹ፡ እዚ’ውን ኣብቲ ውህሉል ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣብ ምፍጣር ተራ ስለ ዝህሉዎ ኣዝዩ ኣሰካፊ ዘይምዃኑ ይጠቕሱ። ክታበት ዛጊት እቲ መተካእታ ዘይብሉ መከላኸሊ ምዃኑ ግን እቲ መጽናዕቲ ይጠቅስ።

XS
SM
MD
LG