ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ተዛዚሙ


ስነ ስርዓት ምዝዛም ቶክዮ ኦሎምፒክ
ስነ ስርዓት ምዝዛም ቶክዮ ኦሎምፒክ

ንኣስታት ሰለስተ ሰሙናት ዝተካየደ ኦሎምፒክ ቶክዮ 2020 ትማሊ ተዛዚሙ።

ሰደቃ መዳልያታት ኣመሪካ ብብዝሒ ወርቂ መዳልያ ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ ኣላ 39 ወርቂ ፣ 113 ሓፈሻዊ መዳልያታት ወሲዳ ቀዳመይቲ: ቻይና 38 ወርቂ፣ 88 ድምር መዳልያ ብምውሳድ ካልኣይቲ: ኣተኣናጋዲት ሃገረ ጃፓን ብ27 ወርቂን 58 ድምር መዳልያታትን 3ይ ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።

ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሩስያ፣ ኣውስትራልያ፣ ኔዘርላንድ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመንን ኢጣልያን ካብ 4 ስካብ 10ይ ተሰሪዔን ኣለዋ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኬንያ ብ4 ወርቂ፣ 4 ብሩርን 2 ነሓስን ብምውሳድ መበል 19 ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ካብ ኣፍሪቃ ኮይና ኣላ። 2 ወርቂ፣ 1 ብሩርን 1 ነሓስን ዝወሰደት ኡጋንዳ ካብ ዓለም መበል 36፣ ካብ ኣፍሪቃ 2ይቲደረጃ ሒዘን ኣለዋ።

ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ ዓለም መበል 52 ካብ ኣፍሪቃ 3ይቲ። ግብጺ ካብ ዓለም መበል 54 ካብ ኣፍሪቃ 4ይቲ። ኢትዮጵያ ካብ ዓለም መበል 56 ካብ ኣፍሪቃ ሓምሻይ ኮይነን ኣለዋ። ኢትዮጵያ ሓደ ወርቂ፣ ሓደ ብሩርን 2 ነሓስን ከምዝወሰደት ዝዝከር እዩ።

ድሕሪ 4 ዓመት ውድድራት ኦሎምፒክ ናይ ምድላው ዕድል ዝረኸበት ከተማ፣ ፓሪስ ፈረንሳ ኮይና ኣላ።

XS
SM
MD
LG