ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳሚ ሃይለ ገብረስላሴ “ዝሕተቶ መስዋእቲ ክኸፍል” ድሉዊ ምዃኑ ይሕብር


ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳሚ ሃይለ ገብረስላሴ
ኦሎምፒካዊ ተቐዳዳሚ ሃይለ ገብረስላሴ

ኦሎምፒካዊ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ጉያ እግሪ ሃይለ ገብረስላሴ፡ ንድሕነት ሃገሩ ክብል ካብኡ ዝድለ መስዋእቲ ክኸፍል ቅሩብ ምዃኑን ከም ኣድላያነቱ ድማ ናብ ቅድመ-ግንባር ክኸይድ ከም ዝተዳለወን ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

“ኣምባሳድር ሰላም” ተባሂሉ ዝጥቀስ ሃይለ፡ “ናብዚ እናመጹን ድሕሪ ምእታዎም እንታይ ክገብሩ ምዃኖም ዘይፍለጡን ኢድካ ኣጥሚርካ ምርኣይ ኣይከኣልን። ስለዚ ከኣ ኮፍ ኢለ ብፍርሒ ክጽበ ኣይኰንኩን፡ ተዳልየ ኣለኹ፡” ኢሉ።

ወዲ 48 ዓመት ኣትለት ሃይለ ንተግባር ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ስዒቡ’ዩ ነዚ መግለጺ ዝ ህብ ዘሎ።

ን27 ናይ ርሑቕ ጉያ ክብረ-ወሰን ዝሰበረ ሃይለ፡ ከም ስፖርተኛ መጠን ኣምባሳድር ሰላም ምዃኑ ደኣ የመልክት እምበር፡ ሕጂ ግን ናብዚ ኲናት ክኣቱ ከም ዝተደፍአ ንኣግልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ሃይለ ወሲኹ፡ ሓያሎ ደገፍቱ ከም ስፖርታዊን ኣብ ፈለማ ንሽምግልና ዝፍትን ዝነበረን ኣብቲ ኲናት ክኣቱ ምቕራቡ ክነቕፉዎ ምዃኖም ብምምልካት፡ “ህልውና ሃገርካ ኣብ ሓደጋ ክኣቱ እንከሎ’ሞ ካልእ እንታይ ኣማራጺ ኣሎ፧ ኵሉ ወንዚፍካ ምኻድ ጥራይ’ዩ፡” ኢሉ።

XS
SM
MD
LG