ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሻምፕዮን ውድድር ጉያ እግሪ ኣግነስ ቲሮፕ ሞይታ ተረኺባ


ኬንያዊት ኣትሌት ኣግነስ ቲሮፕ

ተዓዋቲት ክልተ ብሩር መዳልያ ውድድር ጉያ ዓለም፡ ኬንያዊት ኣግነስ ቲሮፕ ኣብ ገዛኣ ሞይታ ምርካባ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኬንያ ሎሚ ረቡዕ ኣፍሊጡ።

ፈደረሽን ኣትለቲክስ ኬንያ ምኽንያት ሞት ናይታ ጓል 25 ኣትለት ኣብ ምጽራይ ከም ዘሎ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ዛጊት ብዝናፈስ ዘሎ ወረታት ግን እታ ኣትለት ብበዓል ቤታ ከም ዝተቐትለት’ዩ።

ኣብ ዓለማዊ ውድድር ጉያ 10 ሽሕ ሜትሮ 2017 ከምኡ’ውን 2019 ተሸላሚት ብሩር መዳልያ ዝዀነት ቲሮፕ፡ ኣብ ውድድር ሓሙሽተ ሽሕ ሜትሮ ቶክዮ ኦሎምፒስ ራብዓይቲ ወጺኣ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድማ ብደቀንስትዮ ኣብ ውድድር 10 ኪሎሜተር ተታሒዙ ዝነበረ ዓለማዊ ክብረወሰን ሰይራ ነይራ።

ቲሮፖ ኣይተን ኣብ ዝብሃል ምዕራባዊ ከተማ ኬንያ’ያ ሞይታ ተረኺባ። ብመሰረት ጸብጻበት ማዕከናት ዜና ኬንያ፡ ብዙሕ ናይ ካራ ማህረምቲ ይጽነሓያ ደኣ’ምበር፡ ፖሊስ ንምኽንያት ሞታ ኣመልኪቶም ዛጊት መግለጺ ኣይሃቡን።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG