ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እኽሊ ዝጸዓነት መርከብ ካብ ዩክሬን ናብ ኢትዮጵያ ምብጋሳ ሰብ መዚ ዩክሬን ገሊጾም


ፋይል
ፋይል

ሓምሸይቲ መርከብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም 30,000 ቶን ስርናይ ጽዒና ካብ ናይ ዩክሬን ወደብ ብላክ ሲ ተበጊሳ'ላ። እቲ እኽሊ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝበጽሕ ሚንስትሪ መሰረተ ልምዓት ዩክሬን ሎሚ ዓርቢ ምግላፁ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ፀብፂቡ።

ዩክሬን ኣስታት 150,000 ቶን ስርናይ ናብ ኢትዮጵያ፣የመንን ኣፍጋኒስታንን ልኢኻ ኣላ።

እቲ ሚንስትሪ ወሲኹ ሕቡራት ሃገራት ዘሳለጦ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ጀሚሩ 6.4 ሚሊዮን ቶን ናይ ሕርሻ ምህርቲ ካብ ዩክሬን ከምዝወጸ ገሊፁ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG