ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“እንኮ መፍትሒ ግጭት ኢትዮጵያ ዘተ ጥራይ’ዩ” ላዕለዎት ሰበ- ስልጣን ኣመሪካ


ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብልኪንከን
ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብልኪንከን

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብልኪንከን፡ ትማሊ ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓጺር ናይ ትዊተር መልእኽቲ፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምስ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሰገን ኣባሳንጆ ከምኡ’ውን ዋና ጸሓፊ ውድብ ኢጋድ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ካልኦት ከም ዝተዘራረቡ ገሊጾም።

ብሊንከን ምስ ወሰንቲ ኣካላት ኢትዮጵያ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ብሪጣንያ፡ ፈረንሳን ጀርመንን ምዝታዮም’ውን ወሲኾም ሓቢሮም። ብመሰረት ሓበሬታ ትዊተር ብሊንከን፡ ኵሎም ተጋባእቲ ወገናት እቲ እንኮ መፍትሒ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ዘተን ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ መገዲ ምኽፋትን ምዃኑ’ውን ኣስሚሮም።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፡ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳድር ጀፈሪ ፈልትማንን ሓላፊት ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ (USAID) ሳማንታ ፖወርን’ውን ንዝማዕበላ ሃገራት ጕጅለ 7ን ካልኦት ዓበይቲ ለገስቲ ሃገራትን ዝሓቖፈ ፍሉይ ርክብ ኣካዪዶም።

ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ ትካል ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝ መንግስቲ ኣመሪካ፡ እቶም ላዕለዎት ተወከልቲ፡ ኣብቲ 11 ኣዋርሕ ኣቝጺሩ ዘሎ ግጭት ክልል ትግራይ፡ ምስቲ ዳሕራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት’ውን ምልሓሙ፡ ቀንዲ ግዳያት ኰይኖም ዘለዉ ሰለማውያን ህዝቢ ምዃኑ ጠቒሱ። ንዅላቶም ኣብቲ ኲናት ኢድ ዘለዎም ወገናት ድማ ንዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ማዕጾ ክኸፍቱ ጸዊዖም።

ንምብራር ናይ ቀረባ እዋን ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ዝዀነኑ እቶም ተዛተይቲ፡ ኣብቲ ኲናት በደል ዝፍጽሙ ዘለዉ ኣካላት ዝግበኦም ፍርዳዊ መስርሕ ክቕበሉ ጸዊዖም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሎሚ 13 ጥቅምቲ,2021 ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ ነቲ ብዂናትን ምምዝባልን ተዓብሊሉ ዘሎ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝኸውን ተወሳኺ 26 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ምብርካቱ ኣፍሊጡ። እቲ ብቤት ጽሕፈት ብሊንከን ኣቢሉ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘነጽሮ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ኣመሪካ፡663 ሚልዮን ዶላር ንሰብኣዊ ሓገዝ ወፍያ ኣላ።

እቲ ሓገዝ ነቶም ካብ 6-7 ሚልዮን ዝበጽሑ ተመዛበልቲን ኣብ ድርኵኺት ዓጸቦ ዝርከቡ ኣስታት 900 ሽሕ ዝበጽሑ ዜጋታትን ዝውዕል ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ኣብ ሱዳን ዝርከቡ ኣስታት 48፡ሽሕ ዝበጽሑ ተመዛበልቲ’ውን ክበጻሕ ምዃኑ እቲ መግለጺ የመልክት።

XS
SM
MD
LG